እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ትርጉም ሓዘል ትርፊ ግዜ

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ቆልዑ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ኣወንታዊ ተመኩሮታት ክድልቡ ስፖርት እጃሙ የበርክት እዩ። ኣብቶም ዝሳተፉዎም ንጥፈታት ምልከትን ምዕባለን ይስመዖም፡ ከምኡውን ኣብ ሓደ ሕብረት ክትሕቆፍ ከለኻ ምስ ካልኦት ቆልዑ ንዝተረፈ ሂወትካ ዝጸንሕ ምሕዝነት ክትፈጥር ትኽእል። ከም ተወሳኺ ምስ ካልኦት ምትሕብባር፡ ቅርጺ ምሕላው፡ ሓባራዊ ዕላማታት ንምውቃዕ ብሓባር ምስራሕ ወይ ተጻብኦ ምምካት። ካብ ቅድም ሕጂ ውሽጢ ኮፍ ዝብሉ ቆልዑ በዚሖም ኣለዉ፡ ስለዚ ብዓይኒ ጥዕና ክርአ ከሎ ቆመንኦም ንኸመሓይሹ ኣብ ንጥፈታት ክነጥፉ ከነተባብዖም ኣገዳሲ ይኸውን።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ትርጉም ሓዘል ትርፊ ግዜ

ኣብ ኖርወይ ንቆልዑን መንእሰያትን እቲ ዝዓበየ ኣብ ትርፊ-ግዜና ንነጥፈሉ ባይታ ስፖርት እዩ። ብዙሓት ቆልዑ ክሳብ 12 ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስፖርት ይነጥፉ እዮም፡ ግን ኣብ ናይ መንእሰይ ዕድመ ክበጽሑ ከለው፡ማለት ካብ 13 ዓመት ንንዮ ብዙሓት ይገድፉዎ እዮም። ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዝካየድ ስፖርት ኖርወይ ከም ሃገር ካብተን ቀዳሞት እያ፡ ኣብ ኖርወይ ድማ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዝካየድ ስፖርት ልዑል ሚዛን እዩ ዝወሃቦ። ኣብ ኖርወይ እቲ ዝዓበየ ስፖርት ንኣዋልድ ኮነ ኣወዳት ኩዕሶ እግሪ እዩ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት እዮም ዘለዉ፡ ከም ተወሳኺ ብዙሕ ካልእ ዓይነት ንጥፈታት ኣሎ፡ ገለ ካብኡ ባህላዊ መዳያት እዩ። ምረሻ ባንድ፡ትያትርን መዘምራንን ገለ ኣብነታት እዮም።

ቆልዑ ነንበይኖም ኮይኖም ዝተፈላለዩ ዝንባለታት እዩ ዘለዎም። ከም ወላዲ መጠን ውላድካ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ዝፈትዎ ንጥፈት ክረክብ ክትሕግዞ ኣገዳሲ እዩ። ሓያሎ ሰባት ቤት-ትምህርቲ ክጅምሩ ከለዉ እዮም ኣብ ትርፊ ግዜኦም ዝካየዱ ንጥፈታት ዝጅምሩዎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ይፈላለ እዩ። እቲ ቆልዓ ኣብቲ ዝሳተፎ ንጥፈት ጽቡቕ ተመኩሮታት ከምዝድልብ ምግባር እዩ እቲ ዕላማ። እቶም ንጥፈታት ውዱባትን ዘይውዱባትን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ቆልዑ ብጻወታን ዘይውዱባት ንጥፈታትን ብዙሕ እዮም ዝመሃሩ፡ ንስኻ ከም ወላዲ እዚ ክዉን ንምግባር ባይታ ከተጣጥሓሉ ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት እቶም ቆልዑ ኣብ ባህርያዊ ኣከባቢ ሒዝካዮም ብምውጻእ። ኣብ ጫካ ወይ ገምጋም ባሕሪ ምኻድ ንቆልዑ ናይ ምንቅስቓስ ዓቕሞም ዘይከም ኣብ ውሽጢ ገዛ ይብድሆም እዩ።

ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ውዱብ ልምምድ ኣካዪድካ ማለት ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ተካይዶም ንጥፈታትን ጻወታን ተኪእኻዮም ማለት ኣይኮነን። ንጥፈታት ክበሃል ከሎ ንቤት-ትምህርቲ ብእግርኻ ምኻድ፡ብሽግለታ ምዝዋር ወይ ኣብ ደገ ዝጽወቱ ሓፈሻዊ ጻወታታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ቆልዑ ኣብ ንጥፈታት ምንጣፍ የድልዮም እዩ፡ መጽናዕቲ ከምዘርእየና ድማ ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ቆልዑ ኣብ ኮፍ ኢልካ ከይተንቀሳቐስካ ተካይዶም ንጥፈታት ከም ቲቪ ገይም ወይ ቲቪ ምርኣይ ካብ ቅድም ሕጂ ዝያዳ ግዜ ይጥቀሙ ከምዘለዉ እዩ። ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብምክያድ ሰውነትካ ክትመልኮ ምምሃር ንኩላትና ኣገዳሲ እዩ፡ ካብዚ ሓሊፉ ውን ሂወትና ኣብ መጻኢ ብኸመይ ንመልኮ ንዝብል ውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኩላትና ጥዕናናን ኣካላዊ ብቕዓትናን ምሕላው ኣገዳሲ እዩ፡ ንጥፈታት ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይዚ እዩ። ንጥፈታት ምክያድ ካብ ብዙሓት ሕማማት ውን ይከላኸለልና እዩ። ስለዚ ብዓይኒ ጥዕና ክርአ ከሎ ውን ስፖርት ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ዘለዎ።

ቆልዑ ዝምዕብሉሉ፡ዝዓብዩሉን ዝመሃሩሉን ናህሪ ይፈላለ እዩ። ንሓደ ሰብ ቅኑዕ ኮይኑ ዝረኣዮ ንካልእ ሰብ ግድን ቅኑዕ ክኸውን ኣሎዎ ማለት ኣይኮነን። ብዘየገድስ ጽቡቕ ተመኩሮታት እንተደኣ ደሊቦም ኣብ ትርፊ ግዜኦም ዘካይዱዎ ንጥፈት ንነዊሕ ግዜ ከሕጉሶም ዘሎ ተኽእሎ ዘዛይዶ ኮይኑ ንገሊኦም ድማ እቲ ዝንባለ ሂወቶም ምሉእ ምስኦም ይጸንሕ። ስፖርት ንቆልዑን መንእሰያትን መምሃሪ ባይታ ውን እዩ፡ እዚ ማለት ካብ ክእለታት ስፖርት ሓሊፎም ካልእ ክእለታት ዝመሃሩሉ ባይታ እዩ። ውላድካ ኣዕሩኽን ማሕበራዊ መርበብን ዘጥርየሉ ንስኻ ውን  ከም እኹል ሰብ ምስ ካልኦት ወለዲ ትላለየሉ ባይታ ውን እዩ። ኣብ ኖርወይ ሓድሽ እንተኾይንካን ቋንቋ ምምሃር ዘድልየካ እንተኾይኑን እዚ ንደቅኻን ንዓኻ ከም ወላድን ቋንቋ ክትመሃሩሉ ትኽእሉሉ ግርም ባይታ እዩ። ብስፖርት እቲ ቆልዓ ካብቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጥራሕ ዝረኽቦም ኣዕሩኽ ሓሊፉ ካልኦት ኣዕሩኽ ከጥሪ እዩ፡ እዚ ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ ሚዛን ዘለዎ እዩ። ምስ ካልኦት ብሓባር ምዃን፡ ምስ ካልኦት ምትሕባር፡ቅርጺ ምሕላው፡ ንናይ ሓባር ዕላማ ብሓባር ምስራሕ ወይ ተጻብኦታት ምምካት ኣብ ሂወትና ሓፈሻዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ሜላታት ሂወት እዮም። ኣብ ስፖርት እቲ ቆልዓ ብንጹራትን ሓለይትን ዓበይቲ ሰባት ተሰንዩ ኣብ ውሑስ ሃዋሁው ስፖርት ክህሉ እዩ እቲ ዕላማ። እዚ ሃዋሁው ንኩሉ ሰብ ዝሓቁፍን ውሑስን ክኸውን ኣሰልጠንትን ወለድን ብሓባር እዮም ዝሰርሑሉ። እዚ ንኩሎም ዓይነታት ስፖርት እዩ ዝምልከት፡ ንቆልዑ፡መንእሰያትን ዓበይትን።

እቶም ዝነኣሱ ቆልዑ መብዛሕትኡ ግዜ 1-2 ግዜ ንሰሙን ምዱባት ልምምዳት ዘካይዱ ኮይኖም እንዳዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ከኣ እንዳወሰኸ ይኸይድ። ኣብቲ ዘካይዱዎ ስፖርት ምሉእ ዝውፈዩ መንእሰያት 5-7 መዓልታት ንሰሙን ልምምዳት ከካይዱ ዘይልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሓደ ዓይነት ስፖርት ንላዕሊ ምክያድ ይከኣል እዩ፡ እዚ ግን ከከም ዝንባለ ናይቲ ዝምልከቶ ቆልዓ፡ኣብዚ ትቕመጠሉ ቦታ ዘሎ ዓይነታት ስፖርትን ስድራቤታቶምን እዩ ዝውስኖ። ክፉታት ቦታታት ስፖርት ውን ኣሎዉ ዘይውዱብ ንጥፈታት ንኸካይዱ ባይታ ዘጣጥሑ። ንኣብነት ክፉታት መሐንበሲ ሆላት፡ መንሻተቲ ሆላትን ኩዕሶ እግሪ ዝጽወተሎም ሆላትን ናይዚ ኣብነት እዮም።

ትርፊ ግዜኡ ንውላድካ ትርጉም ሓዘል ክኾነሉ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ውላድካ ምሉእ ሂወቱ ምስኡ ዝቕጽል ዝንባለ ምናልባሽ ክረክብ ይኽእል ይኸውን። ውላድካን ንስኻ ከም ወላድን ማሕበራዊ መርበብኩም ክዓቢ እዩ። ውላድካ ዝተፈላለዩ መባእታዊ ክእለታት እንዳተማህረ ምስ ዘቕስኑዎ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ግዜኡ የሕልፍ። ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ውላድካ እንታይ ከምዝፈቱ ንኽፈልጦ ክትሕግዞ ኣገዳሲ እዩ። ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ ዘይትፈትዎ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ማዕረ እቲ ትፈትዎን ዝምቸኣካን ምርካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo