እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ኣባል ስፖርት ምዃን

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ኣብ ኖርወይ ኣብ ስፖርት ዝነጥፉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣባልነት ዘለዎም ኣሎዉ፡ ሰለዚ ኣብቲ ትቕመጠሉ ከባቢ ኣብተን ጋንታታት ስፖርት ኮይኖም ንጥፈታት ኣብ ምጥጣሕ እጃሞም ዘበርክቱ ብዙሓት ሰባት ኣሎዉ።ከም ኣባል መሰላትን ግቡኣትን ኣለካ፡ ገለ ካብኡ ከኣ ክፍሊት ኣባልነትን ክፍሊት ልምምድን ክትከፍል ኣለካ ማለት እዩ። እዚ ውላድካ ኣብታ ጋንታ ስፖርት ጽቡቕ ልምምዳት ከካይድ እጃሙ የበርክት እዩ። ከም ኣባል ኣብታ ጋንታ ስፖርት ዝግበሩ ነገራት ኣብ ዓመታዊ ጉባአ ብምስታፍ ጽልዋኻ ከተሕድረሎም ትኽእል ኢኻ። ብቐጥታ ውን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ ንኣብነት ከም ኣሰልጣኒ፡ ኣብ ሽማግለ ኣባል ብምዃን ወይ ንእንግዶት ሓላፍነት ብምስካም።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ኣባል ስፖርት ምዃን

መብዛሕትኦም ኣብ ኖርወይ ብኣብ ከባቢኦም ትርከብ ንጥፈታት ተጣጥሕ ክለብ እዮም ኣብ መዳያት ስፖርት ዝራኸቡን ዘበርክቱን። ሓንቲ ጋንታ ስፖርት ካብ ሓደ ንጥፈት ንላዕሊ ክህልዋን ካብ ስፖርት ዝተፈልየ እንግዶታትን ክህልዋን ይኽእል እዩ። መብዛሕትአን ክለባት ብወፈራ ወለዲ እየን ዝካየዳ፡ ገሊአን ጋንታታት ስፖርት ከኣ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣለወን። ወፈራ ልቢ ሞዴል ስፖርት ኖርወይ እዩ። እዞም ኣሽሓት ሰባት ከምዚ ዝጽዕሩዎ ዘለዉ እንተዘይጽዕሩ ኔሮም ጽላት ስፖርት ከምዚ ሎሚ ንፈልጦ ዘለና ኣይምኮነን ኔሩ። ኣብ ሃገር ምሉእ ልዕሊ 11.000 ጋንታታት ስፖርት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት የዋድዳ ኣለዋ¨፡ ከምኡውን ኣብ ስፖርት ኖርወይ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣባልነት ዘለዎም ሰባት ኣሎዉ። ብጣዕሚ ብዙሓት ሰባት እዮም ኢዶም ብምእታው ስፖርት ኣገዳሲ ክፋል ኣተዓባብያ ቆልዑን ንኣሽቱን ከምዝኸውን ዝገብሩ። ኣብ ስፖርት ኣባል ኢኻ እምበር ዓሚል ኣይኮንካን፡ ምኽንያቱ ትገዝኦ ኣገልግሎት ስለዘይኮነ። ከም ኣባል መሰላትን ግቡኣትን ኣለካ፡ ከምኡውን ሕግታትን ውሳኔታትን ስፖርት ከተኽብሮም ኢኻ ዝብል ትጽቢት እዩ ዘሎ። ሓደ ኣባል ነታ ጋንታ ስፖርት ዘለዎ ቁጠባዊ ግቡእ ከማልእ ኣሎዎ፡ እዚ ድማ ክፍሊት ኣባልነትን ልምምድን ምኽፋል ኮይኑ ክፍሊት ኣባልነት ምስ ከፈልካዮ ኢኻ ድማ ከም ኣባል ትቑጸር።   እታ ጋንታ ስፖርት ኣብ ሃገራዊ መዝገብ ኣባላት ስፖርት አለክትሮኒካዊ ሊስታታት ኣባላት ትምዝግብ እያ፡ ስለዚ ክትምዝገብ ከለኻ ቅኑዕ ሓበሬታ ክትህብ ኣገዳሲ እዩ። ከም ኣባል ኣብ ዕዮታት ስፖርት ክትሳተፍን ጽልዋ ከተሕድርን ዕድል ይወሃበካ፡ ኣብታ ኣባል ዝኾንካላ ጋንታ ስፖርት ከምኡ ክትገብር ተደላዪ እዩ። ሓንሳብ ኣብ ዓመት እታ ጋንታ ስፖርት ኩሎም ኣባላት ዝዕደሙሉ ዓመታዊ ጉባአ ተካይድ እያ። ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻባትን ናይ ዝመጽእ ዓመት መደባትን ይቐርብ። ጽላት ስፖርት ናይ ገዛእ ርእሱ ብልምዲ ዝኽተሎ ሕግታት ኣሎዎ፡ ኣብ ወብሳይት ኮሚሽን ስፖርት ኖርወይ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

እታ ጋንታ ስፖርት ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዕማማት እዩ ዘለዋ፡ ንኣብነት ከም ኣሰልጣኒ፡ ኣባል ሽማግለ፡ ንእንግዶት ሓላፍነት ምስካም፡ ግብራዊ ዕዮታት ከም መገዲ ስኪ ምስራሕን ቫፍለር ምስራሕን። እዞም ዕማማት ብወለንታዊ ስራሕ ዝዕመሙ ኮይኖም ኣብ ንሕብረትካ እጃምካ ምብርካት ዝብል ሓሳብ ዝተሞርኮሰ ኮይኑ ኣብ ጽላት ስፖርት ኖርወይ ድልዱል መጥመሪ እዩ።

ራእይና ስፖርታዊ ባህታ ንኹሉ ዝብል እዩ። ኩሉ ሰብ መርገጺኡ ብዘየገድስ ኣብ ስፖርት ናተይ ዝብሎ ቦታ ክረክብ እዩ ዕላማና። ገሊኦም ስፖርትን ንጥፈታትን ጥዕንኦም ንምዕቃብ ኢሎም ዝመርጹዎ ኣሎዉ ወይ ምስ ማሕበራዊ መርበቦም ንኽራኸቡ ኢሎም፡ ካልኦት ድማ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ስፖርት ንስፖርት ንነነዊሕ ግዜ ከም ሞያ ይሕዙዎ። እቲ ኮይኑ እቲ ብዘየገድስ መብዛሕትኦም ኣብ ስፖርት ቆልዑ ከለዉ እዮም ዝጅምሩዎ። ኣብ ኖርወይ ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 12 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ንጥፈታቶም ብማእከላይ ጽፍሒ ተረርቲ ቀይድታት እዩ ዘለዎ።

ኣህጉራዊ ውዕል ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2003 ሓደ ክፋል ሕጊ ኖርወይ ኮይኑ እዩ። እዚ ውዕል ቆልዑ ውን ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ከምዘለዎም እዩ ዝገልጽ። ቆልዑ ትርፊ ግዜ ክህልዎም ዘለዎም መሰል ዝገልጽ ሕጡበ-ጽሑፍ 31 ስፖርት ኖርወይ ውን ኣንፈት ዘትሕዞ መርሖ እዩ። ስፖርት ኖርወይ ቆልዓ ርእሱ ዝኸኣለ ውልቀ-ሰብ ምዃኑ ይፈልጠሉ እዩ፡ እዚ ማለት ስፖርታዊ መሰላት ቆልዑን ውሳኔታት ስፖርት ቆልዑን ንኩሎም ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ቆልዑ እዩ ዝምልከቶም። ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዘካይዱዎ ናይ ክልቲኡ ጾታታት ኩሉ ዓይነታት ስፖርት በዚ እዮም ዝቕየዱ።

ቆልዑ ከም ንኡሳን ዓበይቲ ክንሕዞም ስለዘይብልና ስፖርት ቆልዑ ምስ ኣካላዊ ምዕባለን ብስለትን ቆልዑ ዝኸይድ ክኸውን ኣሎዎ። ቆልዑ ብጻወታ ብዙሕ እዮም ዝመሃሩ፡ ኣብ ጻወታ ድማ ብዙሕ ምፍታንን ምግጋይን ኣሎ። ኣብ ሞዴል ስፖርት ኖርወይ ብምሉኦም ሸነኻት ኣብ ግምት ምእታውን ምልከትን ኣገደስቲ ኣምራት እዮም። ስፖርት ቆልዑ ንኩሎም ሸነኻት ጽልዋ ብምሕዳር ምሉኣውነት ዘለዎ ምዃን እዩ ዕላምኡ።  ብእዋኑ ኣብ ዝተወሰነ ዓውዲ ምጽቃጥ ኣተኩሮ ዝወሃቦ ኣይኮነን፡ ኣብ ክንድኡ ብሰፊሑ ኣብ ብዙሓት ዓይነት ምንቅስቓሳት መሰረት ብምንጻፍ ብምሉኦም ሸነኻት ምህናጽ እዩ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ጋንታ ስፖርት ምስታፍ ውሕስነትን ናተይ ትብሎ ቦታን ካልእን እዩ ዝፈጥረልካ፡ እዚ ድማ ካብቲ ስፖርት ንበይኑ ኣዝዮም ዝዓበዩን ዘገድሱን ክብርታት እዮም። ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ኣብ ንጥፈታት ክሳተፉ ኣሎዎም ብዝብል ዕላማ እምበኣር ምቾትን ባህታን ኣብ ስፖርት ቆልዑ ኣገደስቲ እዮም፡ ስለዚ ስፖርት ኣብ ስራሕ ህዝባዊ ጥዕና ኣገዳሲ ተራ እዩ ዝጻወት። ተሳትፎ ኣብ ስፖርት ብዘየገድስ ኣብ ንጥፈታት ምስታፍ ዝፈጥረልና ባህታ ንርእሰ-ምክንኻን ኣገዳሲ ቅድመ-ኩነት እዩ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo