እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ፍትሓዊ ስፖርት

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ፍትሓዊ ስፖርት ክበሃል ከሎ ኩላቶም ብማዕረ ቅድመ-ኩነት ክሳተፉ ዕድል ክወሃቦም ኣሎዎ ማለት እዩ። ኣብ ስፖርት ንኽትመሓየሽ ኣርተፊሻል ወይ ዘይሕጋዊ ቀመማት ምውሳድ ኣይፍቀድን እዩ። ስፖርት ካብ ምቕሻሽን ኣሉታዊ ጽልዋን ነጻ ከምዝኸውን ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ ከምኡውን ሕግታት fair play ክንክተሎም። ከም ወላዲ ጽቡቕ ጠባይ ከነርእን ንቆልዑ ኣወንታዊ ኣርኣያታት ክትኮነሎምን ይግበኣካ። እንታይ እዩ ቅቡል እንታይ እዩ ከ ዘይቅቡል ንዝብል ክትፈልጥ እንተደሊኻ ኣብታ ጋንታ ስፖርት ካብ ዘለዉ ሰባት ንሓዲኦም ተወከሶም።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ፍትሓዊ ስፖርት

ፍትሓዊ ስፖርት ክበሃል ከሎ ኩላቶም ብማዕረ ቅድመ-ኩነት ክሳተፉ ኣሎዎም ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተሞርኮሰ እዩ። ካብ መወዳድርትኻ ክትበልጽ ኢልካ ኣርተፊሻል  ወይ ዘይሕጋዊ ቀመማት ክትወስድ የብልካን ማለት እዩ። Fair play ክብርታት ስፖርት ንምክልኻል እዩ ተመስሪቱ። ስፖርት ካብ ምቕሻሽን ኣሉታዊ ጽልዋታትን ነጻ ክኸውን እጃሙ ከበርክት፡ እቲ ንጥፈታት ዝካየደሉ ሃዋሁው ውሕስነትን ኣኽብሮትን ዝዓሰሎ ከምዝኸውን ምግባር እዩ ዕላምኡ፡ መታን ኩላቶም ኣብ ሃዋሁው ስፖርት ከም ስፖርተኛታት፡መራሕቲ ወይ ተዓዘብቲ ዝሳተፉ እቲ ስፖርት ጻማና ንረኽበሉ ኣለና ዝብል ስምዒት ከሕድሩ።  ስለዚ ናይ ገዛእ ርእስና ጠባያትን ክብርታትን ክንነቕሓሎምን ምስቲ ስፖርት ዝዛመዱ ክኾኑን ኣገዳሲ እዩ። ንፉዕ ኣርኣያ ብምዃን fair play ከምዝወዓዋዕ ብምግባር ምቕሻሽ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣነጺርካ ግለጽ። ከም ንጡፍ ስፖርተኛ ወይ ወላዲ ስነ-ምግባራዊ ወይ ሞራላዊ መዋጥር እንተደኣ ተሰሚዑካ ወይ እንታይ እዩ ቅቡል ወይ ዝፍቀድ እንተደኣ ኣጠራጢሩካ ንኣብ ስፖርት ዝነጥፍ ኣሰልጣኒ፡መራሒ ወይ ካልኦት ኣብ ስፖርት ዝነጥፉ ተወከስ። ንኣብነት ብዙሓት ተወሳኺ መኣዛታት ዝወስዱ ኣሎዉ፡ እዚኦም ብዙሕ መኣዛታት ዘለዎም ምንጭታት ወይ ካልእ ትሕዝቶ ዘለዎም ኮይኖም መኣዛዊ ወይ ኣካላዊ ጽልዋ ኣሎዎም። ገሊኦም ተወሰኽቲ መኣዛታት ብቀመማት ዝተበረዙ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ማለት ኣብቲ ፍርያት ዘይተጻሕፈ ከሎ ክነሱ ኣብ ሊስታ ዘይፍቑዳት ቀመማት ካብ ዘለዉ ቀመማት ክህልዎ ይኽእል እዩ ማለት እዩ።

ብቕዓትካ ዘመሓይሹ ቀመማት ምውሳድ ከም ምቕሻሽ ዝቑጸር ኮይኑ መብዝሓትኡ ግዜ ውጽኢትካ ንምምሕያሽ ኢልካ ትወስዶም ዓይነት ኣፋውስ እዮም።

ኩሎም ስፖርተኛታት ኖርወይ ብኮሚሽን ስፖርት ኖርወይን ኮሚቴ ኦሊምፒክስን ፓራ ኦሊምፒክስን ዝተወሰኑ ውሳኔታት ዘይሕጋዊ ቀመማት ክኽተሉ ኣሎዎም።

ጋንታታት ስፖርት ወይ ዓይነታት ስፖርት ናይ ገዛእ ርእሰን ሕግታት ዘይፍቑዳት ቀመማት ክህልወን ኣይክእልን እዩ። ብኣህጉራዊ ሕጊ ዘይፍቑዳት ቀመማት ክኽተላ ግዴታ ኣለወን።

ሕጊ ጥሒስካ ዘብሉ ብዙሓት ተግባራት እዮም ዘሎዉ፡ ንኣብነት ኣብ ሰውነትካ እጉድ ቀመም እንተደኣ ተረኺቡ፡ እጉድ ኣገባብ እንተደኣ ተጠቒምካ(ንኣብነት በሪኽ ህንጻ ኣብ ኖርወይ)፡ መርመራ ኣይገብርን እየ ኢልካ ምእባይ፡ መርመራ ከተበላሹ ምፍታን፡ናብ ኖርወይ እጉዳት ቀመማት ከምዝኣቱ ምግባር ወይ ድማ ብምኽንያት ዘይፍቀዱ ቀመማት ፍርዲ ዝተበየነሉ ካብቲ ስፖርት ዝተወገዘ ኣሰልጣኒ ወይ መራሒ ምርኻብ።

ስፖርት ቀንዲ ዕላምኡ ዝኾነ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ምቕሻሽ ክሳተፎ ክኽእል ኣሎዎ ዝብል እዩ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo