እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ስፖርት ማዕረ ዕድላት ክህልዎም

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ኣወዳትን ኣዋልድን ስፖርት ከካይዱ ማዕረ ዕድላት ክህልዎም ኣሎዎ፡ ስለዚ ኣዋልድ ክሳተፎኦ ዘይክእላሉ ዓይነት ስፖርት የለን። ኣብ ብዙሓት ስፖርትታት ከም ጉያ፡ምሕንባስን ስኪን ኣወዳትን ኣዋልድን ብሓባር እዮም ልምምድ ዝገብሩ፡ ግን ክወዳደሩ ከለዉ ነንበይኖም ኮይኖም ይወዳደሩ። ኣብ ብጋንታታት ዝጽወቱ ስፖርትታት ከም ባስከት፡ኩዕሶ እግርን ቮሊባልን መብዛሕትአን ጋንታታት ብጾታ ይፈላለያ እየን። ኣብ ኖርወይ ኩሉ ኣብ ስፖርት ክነጥፍ ዝደሊ ሰብ ስፖርት ከካይድ ዕድል ክህልዎን እዚ ድማ ንኩሎም ዝሳተፉ ውሑስ ባይታ ክኾነሎምን ኣሎዎ ዝብል ዕላማ እዩ ዘሎ።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ስፖርት ማዕረ ዕድላት ክህልዎም

ኣብ ኖርወይ ጽላት ስፖርት ‘’ስፖርታዊ ባህታ ንኩሉ’’ ዝብል ራእይ እዩ ዘሎዎ። እዚ ማለት ኣዋልድን ኣወዳትን ስፖርት ንኸካይዳ ማዕረ ዕድላት ክህልዎም ኣሎዎ ማለት እዩ። ጽላት ስፖርት ኣብ ኖርወይ እቲ ዝዓበየ ወለንታዊ ማሕበር ኮይኑ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ልዕሊ 90 % ብውሑዱ ኣብ ሓደ ስፖርት ይነጥፉ እዮም። ቆልዑ  ደቅ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ኮኑ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ዝጅምሩሉ ዕድመ ስፖርት ክጅምሩ ንቡር እዩ። ገሊኦም ቅድሚኡ ይጅምሩ ገሊኦም ከኣ ድሕሪኡ።

መብዛሕትኡ ዓይነታት ስፖርት ድሕሪ ፍዳሴ ቤት-ትምህርቲ እዩ ዝካየድ፡ እዚ ማለት ድሕሪ ሰዓት 16.00። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ኣብ ሰዓታት አስአፉ ስፖርት ይካየድ እዩ። እንታይ ዓይነት ስፖርት ከተካይድ ትኽእል ንዝብል ዝንባለታትካ ወይ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ዓይነታት ስፖርት እዩ ዝውስኖ። ምስ ከማኻ ሓደ ዓይነት ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ብሓባር ምዃን ጽቡቕ እዩ፡ ንኣዋልድ ዘይምችእ ዓይነት ስፖርት ከኣ የለን።  ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዕድላት ስለዘለዉ ቆልዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ንጥፈታት ብምፍታን በብዓይነቱ ንጥፈታት ክሙኮሩ ኣወንታዊ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ ጂም፡ጫካ፡በረድ ወይ ኣብ ማይ። ገሊአን ጋንታታት ስፖርት ቆልዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት ክሳተፉ ዝኽእሉሉ  ሓፈሻዊ ስፖርት እየን ዘካይዳ። ዝተፈላለዩ ንኩሉ ሸነኻት ስፖርት ዘማልኡ ንጥፈታት ቆልዑ ሰውነቶም ክመልኩን ምስ ዓበዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት ክሳተፉ ክበቕዑን ድልዱል መሰረት እዩ ዘንጽፈሎም። ቆልዑ እንታይ ክገብሩ ይደልዩ ብዘየገድስ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ክነጥፉን ትርጉም ሓዘል ክኾነሎምን ኣገዳሲ እዩ።  ገሊኦም ብጋንታ ዝጽወቱ ዓይነታት ስፖርት ዝደልዩ ኣለዉ ከም ባስከት፡ኩዕሶ እግሪ ወይ ቮሊቦል። ኣብ ከምዚ ዓይነት ስፖርት እተን ጋንታታት መብዛሕትኡ ግዜ ብጾታ ዝተኸፋፈላ እየን። ገሊኦም ድማ ውልቃዊ ስፖርት ከም ጉያ፡ስኪ፡ምሕንባስ ወይ ስፖርት ባእሲ ዝያዳ ዝፈትዉዎ ኣሎዉ። ኣዋልድን ኣወዳትን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መሐንበሲ ሆላትን ስፖርት ዝካየደሎም ሆላትን ኣብ ሓደ እዋን ልምምድ ከካይዱ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ካብቲ ውዱብ ስፖርት ወጻኢ ወለዲ ምስ ደቆም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታት ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክሳተፉ ጽቡቕ እዩ።

ካብቶም ዘለዉ ዕድላት ስፖርት ሓደ እዩ፡ ምኽንያቱ ምረሻ ባንድ፡ መዘምራን፡ትያትርን ካልእ ንቆልዑ ዝኾኑ ንጥፈታት ውን ኣሎዉ። ሓንሳብ ሓንሳብ ከም ወላዲ ውላድካ ምስኡ ዝኸይድ ንጥፈት ንኽረክብ ምሕጋዝ ኣድላዪ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ንቆልዑ ትርፊ ግዜኦም ትርጉም ሓዘል ክኾነሎም ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ መጻኢ ውን ኣካላዊ፡ናይ ምንቅስቓስ፡ ማሕበራውን ስነ-ልቦናውን ቅስቀሳ የድልየና እዩ። ኣብ ስፖርት መሓዙት ተጥሪ፡ ሓደስቲ ክእለታት ትመሃርን ትመልኽን ከምኡውን ምስ ነፍስኻ ትላለ። ኣብ ኖርወይ ሓደስቲ ዝኾኑ ሰባት ኖርወየኛ ምዝራብ ክለማመደሉን ክመሃሩሉን ዝኽእሉሉ ጽቡቕ ባይታ እዩ ዝኾነሎም። ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ትላለ፡ እዚ ድማ ንዓኻን ንውላድካን ጽቡቕ እዩ።

ሓንሳብ ሓንሳብ እታ ጋንታ ኣብ ትሓድረሉ እንግዶታት ትገይሽ እያ፡ እዚ ከኣ ንቡርን ሓደገኛ ዘይኮነን እዩ። እቶም ዝነኣሱ ቆልዑ ከምኡ ክገብሩ ግን ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚኦም ዓይነት  መገሻታት ዓበይቲ ሰባት ምስኦም ብምኻድ ነቲ ጉጅለ ብምሉኡ ሓላፍነት ይስከሙሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ካልኦት ወለዲ ውን ይሳተፉ እዮም።  ኣብ ከምዚ ዓይነት መገሻ ከም መራሒ ዑደት ንኽትሳተፍ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚኦም ዓይነት መገሻታት ዓበይቲ ሰባት ክበዝሑ ጽቡቕን ኣገዳስን እዩ። ብሓባር ምጋሽ ጽቡቕን ኣገዳስን ንጥፈት እዩ ምኽንያቱ እቶም ንኣሽቱ መብዛሕትኡ ግዜ ሂወቶም ምሉእ ዝዝክሩዎ ተዘክሮ እዩ ዝኾነሎም።  ነንሕድሕዶም ብካልእ መገዲ ይፋለጡን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ይረኽቡን። ኣብ ከምዚ ዓይነት መገሻ ብዙሕ ማሕበራዊ ትምህርቲ ውን ኣሎ፡ ከም ንነዊሕ ግዜ ብሓባር ምዃንን ንብረትካ ምሕላውን። ርእስኻ ምኽኣል ክትለማመደሉ ትኽእለሉ ጽቡቕ ተመኩሮ እዩ። ዝሓድሩሉ ቦታ ኣብ ቤት-ትምህርታት ኣብ ውሽጢ ክላሳት ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ክኸውን ይኽእል፡ ከምኡውን ምስቶም ቆልዑ ኣብቶም ክፍልታት ኩሉ ግዜ ዓበይቲ ሰባት ኣሎዉ።  ቆልዑ መደቀሲ፡ ፍርናሽን ናቶም መሳርሒታትን ሒዞም እዮም ዝኸዱ። መጽናዕቲ ከምዘርእየና ወጻእተኛታት ኣዋልድ ምስ ብዝሐን ብምንጽጻር ኣብ ስፖርት ዝሳተፋ ውሑዳት ከምዝኾና እዩ፡ ከምኡ ዝኾነሉ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እዮም ዘለዉ። ጽላት ስፖርት ኖርወይ ድሌት ዘለዎም ብምሉኦም ኣብ ስፖርት ክሳተፉ ዕድል ክረኽቡ ኣሎዎም ዝብል ዕላማ እዩ ዘለዎ። ስፖርት ንኩሎም ኣባላቱ ውሑስ ባይታ ክኾነሎም ኣሎዎ። ንክልቲኡ ጾታታት ዝውክሉ ኣሰልጠንቲ ወይ መራሕቲ እዮም ዘለዉ፡ ዋላ እኳ ኣብ ብዙሓት ንጥፈታት ኣወዳት ዝበዝሑ እንተኾኑ። ጽላት ስፖርት ከም ኣሰልጠንትን መራሕትን ከገልግላ ዝኽእላ ኣዋልድ ክበዝሓ ይደሊ፡ እዚ ድማ ብንጥፈት ይስረሓሉ ኣሎ። ድሌት ዘለወን ኣዋልድ ቆልዑ፡ መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ስፖርት ክነጥፋ ዕድል ክወሃበን ኣለዎ።

ኣብ ዕድመ ጉብዝና ዝርከባ ኣዋልድ ውን ዋላ ጽግያት ይምጽኣየን ክነጥፋ ይኽእላ እየን፡ ከምኡውን ንገሊአን ኣብ ንጥፈታት ምስታፍ ጽግያት ዘምጽኣለን ሽግራት የፋኹሰለን እዩ። ኣዋልድ ሞዴስ ወይ ታምፖን ክጥቀማ ይኽእላ እየን፡ ኣብ ምሕንባስ ግን እቲ ዝሓሸ ታምፖን እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህሉ ንጓል ኣንስተይቲ ኣሰልጣኒት፡ነርስ ጥዕና ወይ ካልእ ትኣምኖ ሰብ ምሕታት ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ኣሎ።

ነቶም ንጥፈታትን ጋንታታት ስፖርትን ዝመርሑ ንጹራትን ሓለይትን ዓበይቲ ሰባት ኣብ ጎንኻ ኮይኖም ኣብ ስፖርት ከም ሰብ ክትምዕብል ዕድል ኣለካ። እዞም ዓበይቲ ንብሎም ዘለና መብዛሕትኦም ብወለንትኦም ዝዋፈሩ ወለዲ ኮይኖም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ቆልዑ ብዝተኻእለ መጠን ዝበለጸ ንጥፈታትን ኣተዓባብያን ንክረኽቡ ኢሎም ዝገብሩዎ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ክዋፈሩ ዝኽእሉ ወለዲ ኩሉ ግዜ ስለዘድልዩ ዝኾነ ሓገዝ የድሊ ድዩ ኢልካ ምሕታት ግርም እዩ። ከም ወላዲ መጠን ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብቶም ልምምዳት ምስ ውላድካ ክትመጽእ ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ ምስ ኣሰልጠንቲ ክትራኸብ ስለትኽእልን ንውላድካ ውን የገድሶ ስለዝኾነ። ብዛዕባ ስፖርት ዝያዳ ክትመሃር ድሌት እንተደኣ ሃልዩካ ጽላት ስፖርት ኮርስ የዳሉ እዩ።

ኣብ ጽላት ስፖርት ኖርወይ ምስ መንእሰያት ወይ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ሓላፍነትን እምነትን ዘጠቓለለ ዕማማት ዝዓሙ ሰባት ብምሉኦም ገበናዊ ታሪኾም ዝገልጽ ናይ ፖሊስ ወረቐት ከርእዩ ኣሎዎም(ምስክር ወረቐት ምእላይ ቆልዑ)።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo