እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ኣብ ስፖርት ምስታፍ ዋግኡ ክንደይ እዩ፧

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ኮሚሽን ስፖርት ኖርወይ ‘’ስፓርታዊ ባህታ ንኹሉ’’ ዝብል ራእይ ኣለዎ፡ እዚ ማለት ብዝተኻእለ መጠን ዝበዝሑ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክሳተፉ እዮም ዝደልዩ። ኣብ ጋንታታት ስፖርት ብዙሕ ወለንታዊ ስራሕ እዩ ዝስራሕ፡ ሳላ እዚ ድማ ብዙሕ ወጻኢታት ከየውጻእኻ ንጥፈታት ምክያድ ይከኣል። ዋግኡ ክንደይ እዩ ንዝብል ከከምቲ ትነጥፈሉ ዓይነት ስፖርት እዩ ዝውስኖ። ኣባል ጋንታ ስፖርት ምዃን ዘቃልሉ ስፖርታዊ ፍታሓት ውን ኣሎዉ።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ኣብ ስፖርት ምስታፍ ክንደይ እዩ ዋግኡ

ኩሎም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ኣብ ስፖርት ናይ ምስታፍ ዕድል ክረኽቡ ወይ ባዕሎም ዝወደቡዎ ኣካላዊ ንጥፈታት ከካይዱ ዕድል ክህልዎም ኣሎዎ ዝብል ሓፈሻዊ ዕላማ ኣሎ። እዚ ‘’ስፖርታዊ ባህታ ንኩሉ’’ ዝብል ራእይ ንሕብረተ-ሰብና ብሰፊሑ ዝሓቁፍ ክኸውንን ቁጠባ ንተሳትፎ ቆልዑን መንእሰያትን መሰናኽል ከይኮኖምን ዝብል ዘጠቓለለ እዩ።

ይኹን ደኣ እምበር መጽናዕቲ ከምዘርእየና ገሊኦም ቆልዑ ብቁጠባዊ ምኽንያታት ክሳተፉ ከምዘይክእሉ እዩ። ወለዲ ዓቕሚ ስለዝሓጽሮም። ከምኡ ክኸውን የብሉን።

ኣብ ኖርወይ ኣብ ድኽነት ዝዓብዩ ቆልዑ እንዳበዝሑ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ኣብ ሕብረተሰብና ፍልልያት እንዳገፍሑ ይኸዱ ብምህላዎም ስፖርታዊ ንጥፈታት ምክያድ ዘኸትሎ ወጻኢታት ሕብረተሰብና ብሓፈሻ ጽላት ስፖርት ንባዕሉ ውን ክነቕሑሉ ኣሎዎም። ኩሎም ቆልዑ ኣብ ስፖርት ክነጥፉ ዕድል ክረኽቡ እንተደኣ ኮይኖም እተን ሓገዝ ዘድልየን ስድራቤታት ኣበይ ሓገዝ ክረኽባ ይኽእላ ኣፍልጦ ክህልወና ግድን እዩ። ጽላት ስፖርት ንባዕሉ፡ወለድን ሕብረተሰብና ብሓፈሻን ሓላፍነት ክስከሙ ኣሎዎም።

ኣብ ኖርወይ ወለዲ እዮም ደቆም ንምንባይ ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከሙ። እዚ ውን ንተሳትፎ ቆልዑ ኣብ ንጥፈታት ትርፊ ግዜ ይምልከት። እቶም ቆልዑ ዝነኣሱ ክኾኑ ከለዉ ካብ ወለዶም ዘድልዮም ሓገዝ ይዛይድ እዩ። ኣብ መለማመዲ ቦታ ከምዝበጽሑ ምግባር፡ ቅኑዕ መሳርሒታት ሒዞም ከምዝኸዱ ምግባር፡ ከምኡውን ኣብ ጋንታ ስፖርት ዘለዉ ሕግታት ከምዝኽተሉዎ ምግባር ክኸውን ይኽእል። ስፖርት ኖርወይ ኣብ ወለንታውነት ዝተሞርኮሰ እዩ። ኣብ መብዛሕትአን ጋንታታት ስፖርት ወለድን ካልኦትን ከም ኣሰልጠንትን መራሕትን እጃሞም የበርክቱ እዮም። ወፈራ ኣብ ባህልና ልዑል ሚዛን ኢና ንህቦ።ብከምዚ ዓይነት ኣገባብ እጃምካ ምብርካት  ንብዙሓት ልዑል ትርጉም-ሓዘል ዝኾነ ሓባራዊ ስምዒት እዩ ዝፈጥረሎም።  ኣብ ወፈራታት እጃምካ ምብርካት ምስ ሓደስቲ ሰባት ምልላይ ገለ ካብቲ ዘሕጉስ ክፋል ወፈራ እዩ።

መሓዙት ተጥርየሉ፡ ሓደስቲ ክእለታት ትመሃረሉን ዝንባለታት ትረኽበሉን ትርጉም-ሓዘል ትርፊ-ግዜ ክህልወካ ንምቾትን ጽቡቕ ሂወትን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ቆልዑ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ዝነጥፉሉ ዝዓበየ ባይታ ስፖርት እዩ።

ንጥፈታት ስፖርት ኣብ ጋንታታት ስፖርት እዩ ዝካየድ። ኣብ ኖርወይ ንዓበይትን ቆልዑን ንጥፈታት ዘዋድዳ ኣስታት 11 000 ጋንታታት ስፖርት ኣለዋ። ምሕደራ ጋንታ ስፖርት ገንዘብ ይሓትት እዩ።

ገለ ውሑዳት ጋንታታት ስፖርት ናተን ሜዳ ስፖርት ኣለወን፡ ገሊአን ድማ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣለወን። እዝን ካልእ ፍልልያትን ብምህላዎም ዋጋ ተሳትፎ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ክለብ ናብ ክለብ፡ ከምኡውን ካብ ስፖርት ናብ ስፖርት ይፈላለ እዩ። ኣብ ውድድራት/እንግዶታት ምስታፍ ውን ገንዘብ ዝሓትት ስለዝኾነ መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ-ብጽሒት ክኽፈል ኣሎዎ። እዚ ርእሰ-ብጽሒት ንወጻኢታት ምሕዳር፡መግብን መገሻን ንምሽፋን እዮም ዝጥቀሙሉ። ብዙሓት ክለባት እቲ ዝኽፈል ርእሰ-ብጽሒት ንምቕናስ ወፈራታት የዘጋጅዋ እየን። መኪና ዘይብልካ እንተኾይንካ ኣብ ዝኾነ እዋን ንካልኦት ተማልኡኒ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ምስ ኣሰልጣኒ ወይ መራሒ ጋንታ ተዘራረብ ኢኻ።

. ኣብ ስፖርት ምስታፍ ዘኸትሎ ወጻኢታት ይፈላለ እዩ። ሆኪን ኣልፒንትን ዝበሃሉ ዓይነታት ስፖርት ውህሉል ወጻኢታቶም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ባስከት፡ ኩዕሶ ኢድ፡ ኣትለቲክስን ኩዕሶ እግርን ይበዝሕ እዩ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክዳውንትን መሳርሒታትን ካልእን  ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ስፖርት የድልዩ ብምዃኖም እዩ። ንኣብነት ሆኪ ምጽዋት ነፍስ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ብዙሕ መሳርሒታት ክህልዎ ግድን እዩ። ቆልዑ እንዳዓበዩ ክኸዱ ከለዉ እቶም ወጻኢታት እንዳወሰኹ እዮም ዝኸዱ። ውላድካ እቲ ዝኸበረ መሳርሒ ኣይኮነን ዘድልዮ፡ ግን ዝሰርሕን ምስ ዕድሚኡን ደረጅኡን ዝኸይድ መሳርሒታት እዩ ዘድልዮ።

ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ምስ ኣሰልጣኒኻ ወይ ካልኦት ተዘራረበሉ ኢኻ። ዘገልገለ መሳርሒታት ካብ ካልኦት ምግዛእ ውን ዝከኣል ኮይኑ ኣብ ፈይክስቡክን ካልእ ቦታታትን ጉጅለታት ኣሎዉ። ገሊአን ጋንታታት ስፖርት ወይ ካልኦት ዕዳጋ ሓራጅ የዘጋጅዋ እየን፡ ኣብኡ ድማ መሳርሒታት/ክዳውንቲ ብሕሱር ዋጋ ናይ ምግዛእ ዕድላት ኣሎ። ብዓይኒ ቁጠባ ዳግመ ግልገላን ኣከባብን ክርአ ከሎ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ።

ኣብ ገሊአን ኮሙነታት ብመገዲ BUA ዝበሃል ፍታሕ መሳርሒታት ብነጻ ምልቃሕ ይከኣል እዩ።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ቁጠባኻ ድሩት እንተኾይኑ ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድላት ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ኩነታት ንመብዛሕትና ከጋጥመና ይኽእል እዩ፡ ከምኡውን ቆልዑ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ኣብ ዝደለዩዎ ንጥፈት ክሳተፉ ክኽእሉ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ኮሙነ ናብ ኮሙነ ዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ደገፋት ስለዘለዉ ኣብቲ ትቕመጠሉ ኮሙነ ምስ ገሊኦም ብምዝርራብ እንታይ ዓይነት ሓገዛት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ሕተት። ብሓፈሻ ከም ተሳታፋይ ንቤት-ጽሕፈት ናቭ ሓግዙኒ ኢልካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ተሳታፋይ ኢንትሮዳክሽን ፕሮግራም እንተኾይንካ ኣብ ኣገልግሎት ስደተኛታት ወይ ኮሙነ ሓገዛት ናይ ምርካብ ዕድላት ክህሉ ይኽእል እዩ።

ነታ ጋንታ ስፖርት እቲ ዝኽፈል ክፍሊት ኣከፋፋል ግበሩለይ ኢልካ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ፡ ገሊአን ጋንታታት ስፖርት ከኣ ካዝና ስምረት/ካዝና ምሕዋስ( solidaritetsfond/ inkluderingsfond) ወይ ንስኻ ከም ወላዲ ደገፍ ክወሃበካ ከተመልክተሉ ትኽእል ፍታሓት ኣለወን። ኣብ ገሊአን ኮሙነታት ድማ ቀይሕ መስቀልን ፍረልሰስኣርመአን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ዝኽፈል ክፍሊት ምስ መጻካ ገደብ ግዜ ሓሊኻ ኢኻ ክትከፍሎ ዘለካ፡ ስለዚ ክትከፍሎ እንተዘይክኢልካ ወይ ክናውሓልካ ወይ ኣከፋፋል ክግበረልካ እንተደኣ ደሊኻ ነታ ጋንታ ስፖርት ተወከሳ። ኣብቲ ትቕመጠሉ ኮሙነ መርሖ ንጥፈታት(aktivitetsguide) ዝበሃል ፍታሕ እንተደኣ ሃልዩዎም ካብዚ ጋይድ ብዛዕባ እቶም ደገፋት ምኽርን ማዕዳን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዝተረፈ ከም ኣብነት ምስ ሽማግለ ጉዳያት ስፖርት፡ነርስ ጥዕና፡ ኣማኻሪ ቤት-ትምህርቲ ወይ ተወካሲ ኣካል ኣብ ኮሙነ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ብድሆታትካ ክሳብ ዘለለኻዮም መብዛሕትኡ ግዜ ፍታሕ ይርከብ እዩ።

ጽላት ስፖርት ወጻኢታት ልምምድን ውድድርን ንምቕናስ ብቐጻሊ እዩ ዝሰርሕ። እዚ ውን ንክቡር መሳርሒታት ይምልከት፡ ብፍላይ ኣብ ስፖርት ቆልዑን መንእሰያትን። እዚ እቶም ኣብቲ መዳይ ኢድ ዘለዎም፡ ማለት ጽላት ስፖርት ንባዕሉን ወለድን ዝስከሙዎ ሓባራዊ ሓላፍነት እዩ።

ኩላትና ብሓባር ንደልዮ ‘’ስፖርታዊ ባህታ ንኩሉ’’ ምፍጣር እዩ። እዚ ራእይ ልዑል ጥምሖ እዩ ዘለዎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኩሉ ሰብ ባህታ ስፖርት ከምስመዖ ንምግባር ብምሉእ ዓቕምና ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኢና።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo