እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ኣብ ስፖርት ከም ወላዲ ዝጻወቶ ተራ

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ቆልዑ ኣብ ጋንታ ስፖርት ክሳተፉ ከለዉ ወለዲ ክሕግዙዎም ኣገዳሲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንረብሓ ቆልዑ ውን እዩ። ኣብ ገዛ ኮነ ኣብታ ጋንታ ስፖርት ብብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክግበር ይከኣል። ቆልዑ መሳርሒታት ከምዝህልዎም ምግባር፡ናብ ጻወታታት ብመኪና ምዝዋር ኣብ ልምምዳት ኣብ ሰዓቶም ከምዝርከቡ ምሕላው ዝኣምሰለ ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ ኣሰልጣኒ፡ ኣባል ሽማግለ ምዃን ወይ ኣብ ግዜ እንድግዶት ኣብ ድኳን ምዃን ክኸውን ይኽእል። ከምዚ ብምግባር ኣብ ተመኩሮታት ደቅኻ ክትሳተፍን ኣብ ስፖርት ዘርእዩዎ ምዕባለን ክትከታተሎ ትኽእል፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ወለዲ ብምፍላጥ ሰብ ትፈልጥ።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ኣብ ስፖርት ከም ወላዲ ምስታፍ ብዙሕ ኣወንታዊ ሸነኻት እዩ ዘለዎ

ስፖርት ቆልዑን መንእሰያትን ብክለባት ዝመሓደርን ብወለዲ ዝካየድን እዩ። ምስ ኮሚሽን ስፖርት ምትሕሓዝ ዘለወን ጋንታታት ስፖርትን ኮሚቴ ኦሊምፒክስን ፓራኦሊምፒክስን እዮም ንመዳያት ስፖርት ዝውድቡዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ስፖርታዊ ንጥፈታት ድሕሪ ፍደሳ ቤት-ትምህርቲ እዮም ዝካየዱ። ሓንቲ ጋንታ ስፖርት ደሞክራስያዊት ማሕበር ኮይና ዝበዝሐ ክፋላ ብወለዲ እዩ ዝካየድ።   ወለዲ ከምኡ ክገብሩ ዘተባብዖም ድማ ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ከባቢኦም ጽቡቕ ኣተዓባብያ ንክረኽቡ እዩ፡ ኣብ ስፖርት ብወለንታኻ ክትሳተፍ ከለኻ ብዘይ ደሞዝ ኢኻ ትሰርሕ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዕማማት እዮም ዘለዉ ከም ኣሰልጣኒ፡ ኣባል ሽማግለ፡ ካሼር ተሓዚ ቁጠባ፡ እንግዶት ክካየድ ከሎ ኣብ ቤት-ሻሂ ኮይንካ ምሻጥ፡ መገድታት ስኪ ምስራሕን ምቁር ሕብስቲ ምስራሕን። እዞም ዕማማት ይዕበዩ ይንኣሱ ወፈራ ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ ስፖርት ውን ወለዲ ምስ ዕድመ ናይቲ ቆልዓ፡ ዘድልዮ ደገፋትን ዘለዎ ዝንባለታትን ዝኸይድ ጌሮም ሓላፍነቶም ክስከሙ ኣሎዎም። ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ትርፊ ግዜኦም ዝንባለኦም ስፖርት እዩ፡ ካልኦት ቆልዑ ድማ ባህታ ዝፈጥረሎም ካልኦት ዓይነት ንጥፈታት ይረኽቡ ከም ምረሻ ባንድ፡ትያትርን መዘምራንን።

ከም ወላዲ ዝንባለታት ውላድካ ብዝተኻእለ መጠን ብዝበለጸ ኣገባብ ክትድግፎ ባህርያዊ እዩ። ቆልዑ ዘድልዮም መሳርሒታት ከምዝህልዎም ግበር፡ከምኡውን እንታይ ዓይነት መሳርሒታት ከምዘድልዮም እንተደኣ ተጠራጢርካ ንኣሰልጣኒኦም ምሕታት ከሰክፍካ የብሉን። እቲ ቆልዑ ኣብ ሰዓቱን ቆጸርኡን ክርከብ ኣገዳሲ እዩ። ውላድካ እንተደኣ ኣብኲሩ ወይ ናብ ልምምድ ዶንግዩ መጺኡ ንኣሰልጣኒ ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ።

ናብ ልምምድ መጺኻ ውላድካ ክዘናጋዕ ከሎ ረኣዮ፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ወለዲ ተራኸብ። ውላድካ ልምምድ ኣብ ዘካይደሉ እዋን መጺኻ ክትርእዮ ንውላድካ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ክለብ ወይ ጋንታ ትሳተፎ ውድድራት ወይ እንግዶታት ውን ይምልከት። ብኣካል መጺኻ ውላድካ ክለማመድ ክትርእዮ ከለኻ ውላድካ መቺኡዎ ኣሎ ዶ ንምርኣይን ዝኾነ ደገፍ የልድዮ ከይከውን ንምፍላጥን እዩ። ከም ወላዲ መጠን ተመኩሮታት ውላድካ ክትካፈሎን ኣብ ምዕባለ ውላድካ ብንጥፈት ምስታፍን እዩ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ። ኣብ ሂወት ቆልዓ ብዙሓት ፍጻሜታትን ተመኩሮታትን እዮም ዘለው፡ ብዙሓት ካብዚኣቶም ከኣ ኣብ ትርፊ ግዜኡ እዮም ዝረኣዩ። ስፖርት ምስ ካልኦት ወለዲ ክትላለየሉ ትኽእለሉ ጽቡቕ ባይታ ካብ ምዃን ሓሊፉ ምስ ኣሰልጣኒ ውን ክትዘራረብ ዕድል ይኸፍተልካ እዩ።ኣብ ስፖርት ዝተፈላለዩ ጾታታት፡ ዕድመታትን መቐመጢ ቦታታትን ዘለዎም ሰባት ምሕዝነትን ሕብረትን ይፈጥሩ። እዚ ውን ንወለዲ ይምልከት። ኣብ ኖርወይ ሓድሽ እንተደኣ ኮይንካ ስፖርት ንወለዲ ቋንቋ  ዝመሃሩሉን ማሕበራዊ መርበቦም ዘስፍሑሉን መምሃሪ ባይታ ክኾነሎም ይኽእል እዩ። ስፖርት ካልእ ኣወንታዊ ሸነኻት ውን ኣሎዎ፡ ገለ ካብኡ ከም ኣብነት ክጥቀስ እንተኾይኑ ገሊኦም ብመገዲ እቲ ማሕበራዊ መርበብ ስራሕ ክረኽቡ ምኽኣሎም እዩ።

እታ ክለብ ናይ ውላድካን ናትካ ከም ወላድን መራኸቢ ሓበሬታ ክወሃባ ኣገዳሲ እዩ። ስም፡ኣድራሻ፡ዕለተ-ልደት፡ቁጽሪ ሞባይልን ኢመይልን። መታን ንስኻ ከም ወላድን ውላድካን ዘድልየኩም ሓበሬታ ከምዝበጽሓኩም ንምርግጋጽ እዩ። ንኣብነት ልምምዳት ተሰሪዞም ኣሎዉ፡ ግጥማት ተቐይሮም ኣሎዉ፡ ኣኼባታት ወይ ዑደታት ይምደብ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል። ውላድካ ከም ኣባል ጋንታ ስፖርት ክምዝገብ ከሎ እዚ ሓበሬታ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ንጉዳይ መድሕን ኣገዳሲ ክኸውን ስለዝኽእል።

ንጥፈታት ክካየዱ ከለዉ መመላለሲ መጓዓዝያ

እታ ጋንታ ካብ ትቕመጠሉ ቦታ ወጻኢ ኣብ ንጥፈታት ኣብ ትሳተፈሉ እዋን መኪና ዘይብልካ እንተኾይንካ ንካልኦት ወለዲ ውላድካ ክማልኡልካ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ክትከይድ እንተደሊኻ እሞ ኸኣ ነጻ ቦታ እንተደኣ ሃልዩ ምስኦም ክትከይድ ብጣዕሚ ደስ ዘብል እዩ። ብዙሓት ጋንታታት ወይ ልምምድ ዘካይዳ ጉጅለታት ንካብ ከባቢኦም ወጻኢ ዝካየዱ ንጥፈታት ሓባራዊ መጓዓዝያ ይውድባ እየን። ብዛዕባ እዚ ወይ ካልእ ነገር ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ኩሉ ግዜ ንኣሰልጣኒ ወይ ካልኦት ወለዲ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።

ስፖርት ኣበክቶኻ የድልዮ እዩ

ጋንታ ስፖርት ብወለድን ካልኦት ብወለንትኦም ዝግደሱን ዝሳተፉን እዩ ዝካየድ። ገሊኦም ኣሰልጠንቲ ክኾኑ ይደልዩ፡ ገሊኦም ድማ ንወለዲ ተወከስቲ ኣካላት ክኾኑ ይደልዩ፡ ካልኦት ድማ መሳርሒታት፡ሜዳ ስፖርት፡ቁጠባን ውደባን ክሕዙ ይደልዩ። ቆልዑ ልምምድ ወይ ንጥፈታት ንኸካይዱ ጽቡቕ ዕድላት ንኽህልዎም ወለዲ ብወለንትኦም እጃሞም ከበርክቱ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ክትሳተፍ ዘይጥዕመካ እንተኾይንካ ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ፡ ካልእ ግዜ ከኣ ክትሕግዘሉ ትኽእል እዋን እንተሃልዩ ውን ክትሕብር ተደላዪ እዩ። ሓባራዊ ወፈራ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ውዱብ ንጥፈታት ስፖርት ከምዝሳተፉ ይገብር።

ብዙሓት ክለባት ናተን ሜዳታት ስፖርትን ኣዳራሻትን ኣለወን፡ እዚ ከኣ ክትጽግኖን ከተካይዶን ገንዘብ ይሓትት እዩ። ወፈራ ወለዲ ንደቆም ክኸፍሉዎ ዘለዎም ርእሰ-ብጽሒት ኣብ ምቕናስ እጃሙ የበርክት እዩ። ኣብ ወፈራ ብምስታፍ ምስ ካልኦት ትላለ፡ ከምኡውን ሓባራዊ ዕላማ ንምውቃዕ ክትሰርሕ ከለኻ ብዙሕ ግዜ ነቶም ተሳተፍቲ ትርጉም ሓዘል ኮይኑ እዩ ዝስመዖም። ብዙሓት ሰባት ኣብ ስፖርት ብዝፈጥሩዎ ማሕበራዊ መርበብ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ምሕዝነት እዮም ዘጥርዩ። ኣብ ከመይ ዓይነት ወፈራ ትሳተፍን ክሳብ ክንደይ ትሳተፍን ካብ ስፖርት ናብ ስፖርት፡ ካብ ክለብ ናብ ክለፍ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ዓይነት ኣበርክቶ ይዕበ ይንኣስ ሚዛን ይወሃቦ እዩ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo