እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ፓራ ስፖርት

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ፓራ ስፖርት ንኩሎም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝኸውን ዓይነት ስፖርት ኮይኑ ኣብ ኖርወይ ኩሉ ሰብ ዓቕምታቱን ድረጅኡን ብዘየገድስ ኣብ ስፖርት ክሳተፍን ስፖርታዊ ባህታ ክስመዖምን ባይታ ይጣጣሓሎም እዩ። ብዙሓት ዕድላት ኣሎዎም ምኽንያቱ 55 ፍሉያት ኮሚሽናት ኣለዋ ፓራ ስፖርት ዘካይዳ፡ ገለ ካብቶም ዓይነታት ስፖርት ኩዕሶ እግሪ፡ዩዶ፡ ምጅላብን ኣብ ውሽጢ ዝጽወት ባንዲን እዩ። ኣብ ፓራ ስፖርት ዝሕቆፉ ኣርባዕተ ጉጅለታት እዮም ዘለዉ፡ ንሶም ድማ ናይ ምንቅስቓስ ጸገም፡ ናይ ምስማዕ ጸገም፡ ናይ ምርኣይ ጸገምን ናይ ምዕባለ ስንክልናን ዘለዎም ጉጅለታት እዮም።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ፓራ ስፖርት

ፓራ ስፖርት ሓፈሻዊ መጸውዒ ስም ኮይኑ ንኩሎም ስንክልናታት ዘለዎም ሰባት ዝኸውን ዓይነት ስፖርት እዩ ትርጉሙ። ኣብ ኖርወይ ኩሉ ሰብ ብዘየገድስ ዓቕምታቱን ደረጅኡን ስፖርታዊ ባህታ ከምዝስመዖ ምግባር እዩ ድሌትና። ኣብ ኖርወይ ልዕሊ 11.000 ስንክልናታት ዘለዎም ሰባት  ኣብ ጋንታታት ስፖርት ዝሳተፉ ኮይኖም ካብዚ ኣጸቢቖም ዝበዝሑ ክሳተፉ ከኣ እኹል ቦታ ኣሎ። ስፖርት ክትጅምር ድሌት ኣለካ ዶ፡ ወይ ከም ኣሰልጣኒ፡ ኣባል ሽማግለ ወይ ካልእ ብምዃን እጃምካ ከተበርክት ትደሊ ዶ፧ ድሌት እንተለካ ንሽማግለ ስፖርት፡ኮሙነ፡ ክልል ስፖርትን ኮሚሽን ስፖርት ኖርወይን ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ፡ ምኽንያቱ ኣብ ፓራ ስፖርት ክትነጥፍ ጽቡቕ ዕድል እዩ ዘለካ። ኣብ ኖርወይ 55 ፍሉያት ኮሚሽናት ኣለዋ ኣብ ትሕቲ ጽላል ፓራ ስፖርት ዝሕቆፋ። ኩዕሶ እግሪ፡ዩዶ፡ምጅላብ፡ምሕኳር፡ ፈረስ ምስራርን ኣብ ውሽጢ ዝጽወት ባንዲን ብዙሕ ካልእን ዘጠቓለለ እዩ ድማ።

ኣብ ፓራ ስፖርት ዝሕቆፉ ኣርባዕተ ጉጅለታት እዮም ዘለዉ፡ ንሶም ድማ ናይ ምንቅስቓስ ጸገም፡ ናይ ምስማዕ ጸገም፡ ናይ ምርኣይ ጸገምን ናይ ምዕባለ ስንክልናን ዘለዎም ጉጅለታት።

ብዙሓት ቆልዑ፡መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ብምኽንያት ክቆጻጸሩዎ ዘይክእሉ ምንቅስቓሳት ወይ ዓቕምታት ይጎድሎም ወይ ይሓጽሮም ብምዃኑ ናይ ምንቅስቓስ ክእለቶም ዝተጓደለ እዩ። እዚ ቀዋምን ንሕጽር ዝበለ ግዜን ክኸውን ይኽእል፡ ንኣብነት ብምኽንያት መስበርቲ ዓጽሚ ወይ ከኣ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ብምኽንያት ብተፈጥሮ ዝመጽእ ኣካላዊ ኩነት፡ዕድመ ወይ ማህሰይትታት ክኸውን ይኽእል። ጋንታታት ስፖርት ኣብ ኖርወይ ንናይ ምንቅስቓስ ጸገም ዘለዎም ሰባት ጽቡቕ ዕድላት እዩ ዘለወን፡ ገሊኦም ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ንቡር ንጥፈታት እንዳ ኣሳተፋ ወይ ድማ ኣብ ርእሱ ዝኸኣለ ጉጅለታት ፈልዮም ዝተዋደደ ንጥፈታት ብምግባር። ስንክልና ዘለዎም ሰባት ኣብ ስፖርት ንኽሳተፉ ክበቕዑ መታን ብዝሕ ዝበሉ ዝተሰርሑ ኣብ ንጥፈታት ዝሕግዙዎም ሓጋዚ ናውትታት ኣሎዉ።

ብዘየገድስ ዕድመ ኩሉ ሰብ ንናቭ ኣብ ንጥፈታት ዝጥቀመሉ ሓጋዚ ናውትታት ክወሃቦ ከመልክት ይኽእል እዩ። እቶም ትሕቲ 26 ዓመት ዝዕድሚኦም  ንነፍስ ወከፍ ኣብ ንጥፈታት ዝጥቀሙሉ ሓጋዚ ናውቲ ካብ 4000 ኮሮና ዘይሓልፍ ከም ርእሰ-ብጽሒት ይኸፍሉ።

ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ውን ኣብ ኖርወይ ብዙሕ ጽቡቕ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ዕድላት እዩ ዘለዎም። ኣብዚ ውን ከምኡ እዩ፡ ማለት እንተተኻኢሉ ኣብ ንቡር ንጥፈት ምስ ካልኦት ምስታፍ ወይ ድማ ኣብ ርእሱ ዝኸኣለ ጉጅለታት ዝተዋደዱ ንጥፈታት ዝካየደሉ ክኸውን ይኽእል። ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣሰነይቲ የድልዮም እዩ፡ ኣብ ጋንታታት ስፖርትን ኣብ እንግዶታትን ብዙሕ ብወለንትኦም ኣሰነይቲ ብምዃን ዝሕግዙ ሰባት ኣሎዉ። ከም ወላዲ ምናልባሽ ከምኡ ክትገብር ትደሊ ዶ ትኸውን፧ኮሚሽን ስፖርት ኖርወይ ኮርስ ኣለዎም ከም ወለንታዊ ኣሰናዪ ክትሳተፍ ብቕዓት ዘትሕዘካ። ምናልባሽ ምሳኻ ልምምድ ዘካይድ ብጻይ ትደሊ ትኸውን፧ ብዙሓት ኮሙነታት ከም ሓደ ክፋል ናይ ኣገልግሎት ደገፍቲ ኣካላት ልምምድ ምሳኻ ከካይዱ ዝኽእሉ ሰባት ኣሎዎም። እዞም ደገፍቲ ኣካላት ንጥፈታት ዝፈትዉን ኣብ ኮርስ ዝተሳተፉን ሰባት እዮም።

ናይ ምስማዕ ጸገም ክበሃል ከሎ ሓደ ሰፊሕ ኣምር ኮይኑ ብዙሓት ደረጃታትን ዓይነታትን እዩ ዘለዎ። ምጽማም ክበሃል ከሎ ናይ ምስማዕ ክእለትካ መብዛሕትኡ ክጠፍእ ከሎ ኮይኑ ብተፈጥሮ ወይ ዝወረደካ ክኸውን ይኽእል፡እዚ ድማ ዘረባ ክትርድኦ ወይ ዘረባኻ ክትቆጻጸሮ ትኽእለሉ ዕድላት ይቕንሶ እዩ። ዝጻናዓካ እንተኮይኑ ፍኹስ ዝበለ ጸገም ኮይኑ ዘረባ ትርደኣሉን ቋንቋኻ ትቆጻጸረሉን እዩ። እቶም ዝጻንዖም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ መስምዒ ናውቲ ይወሃቦም እዩ መታን መዓልታዊ ሂወቶም ክመሓየሸሎም። ድሮ ኣብ 1925 ስፖርት ንናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ተወዲቡ ኔሩ። ሎሚ ኣብ ኖርወይ ንናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ሰባት ሸሞንተ ርእሰን ዝኸኣላ ጋንታታት ስፖርት ኣለዋ፡ ይኹን ደኣ እምበር ምስ ናይ ይቕሬታ ካብ ትሮንድሀይም ንሰሜን ንንዮ ዘሎ ቦታ ግን የለዋን። ንሽማግለ ስፖርት ወይ ኮሙነ ብምውካስ ንዓኻ ዝኾኑ እንታይ ዓይነት ዕድላት ከምዘለዉ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ንስንክልና ምዕባለ ዘለዎም ሰባት ውን ጋንታታት ስፖርት ጽቡቕ ዕድላት እዩ ዘለወን። ኣብ ንቡር ንጥፈታት ወይ ኣብ ዝተዋደደ ንጥፈታት ዘካይዱ ርእሱ ዝኸኣለ ጉጅለታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እኳ ናይ ምዕባለ ስንክልና እንተሃለወ ኣብ ስፖርት ነዊሕ ናይ ምግስጋስ ተኽእሎታት ኣሎ። ሓንቲ ጓል ስታበክ ኣብ  ረምታዊ ጂምናስቲክስ 41 መዳልያታት ወርቂ ተጓናጺፋን ኣብ ፍሉይ ጻወታታት ኦሊምፒክስ ከኣ ዳውንስ ሲንድሮም ዘለዋ ቀዳመይቲ ኖርወጃዊት ኣሰልጣኒት ኮይና ኣላ። ስለዚ ዋላ ስንክልና ምዕባለ ይሃልውካ ስፖርተኛን ኣሰልጣንን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ውድድራት ክትሳተፍ ከለኻ እቶም ተሳተፍቲ ከከም ክብደት ስንክልንኦም እዮም ዝምደቡ፡ መታን ብዝተኻእለ መጠን እቲ ውድድር ፍትሓዊ ክኸውን። እቶም ልዑል ጥምሖ ዘለዎም ሰባት ኣብ ውድድር ቻምፕዮን ኖርወይ ክሳተፉ ወይ ንኖርወይ ወኪሎም ባንዴርኦም ኣብ ኣፍልቦም ተለጢፉ ኣብ ፓራ ኦሊምፒክስ፡ ደፍ ኦሊምፒክስ ወይ ስፐሻል ኦሊምፒክስ ዎርልድ ገምስ ክሳተፉ ይኽእሉ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo