እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ሜላታት ሂወት ንወለዲ ኣብ መዳያት ስፖርት

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ጽላት ስፖርት ኣብ መዳያት ስፖርት ክነጥፉ ንደልዮም ወለዲ ክኽተሉዎ ዝግብኦም ዝተፈላለዩ ሜላታት ሂወት ኣሎዎ። ወለዲ ንደቆም ኣወንታዊ ደገፍቶምን ኣርኣያታቶምን ክኾኑሎም ኢና ንደሊ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ መዳያት ስፖርት ተራና ክንነቕሓሉ ውን ኣገዳሲ እዩ። ተሳትፎኻ ነቶም ቆልዑን ኣከባቢኦምን ልዑል ጽልዋ እዩ ዘሕድረሉ።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ሜላታት ሂወት ንወለዲ ኣብ ስፖርታዊ መዳያት

ኣብ ስፖርታዊ መዳያት ወላዲ ምዃን ማለት ንውላድካ ደጋፊኡ ምዃንን ትጻወቶ ተራን ተበርክቶ እጃምን ክትነቕሓሉ ከለኻ እዩ። ስፖርታዊ ባህታ ንኩሉ ክበሃል ከሎ ከም ዓቢ ሰብ ትጻወቶ ተራን ንቆልዑ ኣርኣያ ከምዝኾንካን ክትነቕሓሉ ምኽኣል ገለ ካብቲ ዘጠቓልሎ እዩ። ስለዚ እዞም 19 ሕግታት ኣብ መዳያት ስፖርት ክሳተፉ ንደልዮም ወለዲ ከመይ ክኾኑ ከምዘለዎም ከም መምርሒ ክንክተሎም ንኽእል።

1.ክለብካ ንዓኻን ንካልኦት ቆልዑን ኣብ ከባቢኹም ኣብ ንጥፈታት ክትሳተፉ ዕድል ትኸፍተልኩም ብምህላዋ ምስጋና ይሃልውኩም።

2. ስፖርታዊ ባህታ ኣብ ንጥፈታት ብምስታፍ ዝስመዓና ባህታ ኮይኑ፡ እዚ ከነማዕብሎን ምስ ደቅና ብሓባር ክንገብሮን ንኽእል ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እዩ።

3. ንውላድካ፡ ክለብካን ጽላት ስፖርትን ብሓፈሻ ኣወንታዊ እጃም ኣበርክት- ንስኻ ውን ወኪል ናይታ ክለብ ኢኻ።

4. ቆልዑ ቆልዑ ክኾኑ ግደፉዎም፡ ዘረባ ዓበይቲ ምስ ዓበይቲ ተዛረቡሉ።

5. ንመዳያት ስፖርት ዝምልከቱ ሕግታት፡መምርሒታትን ውሳኔታትን ኣጽንዓዮም። እዚ ካብ ስፖርት ናብ ስፖርት ክፈላለ ይኽእል እዩ።

6. በታ ክላብ ዝዘጋጀዉ ኣኼባታት ወለዲ፡ወፈራታትን ካልእ ንጥፈታትን ተሳተፍ።

7.ኣብ ጻወታታት/ውድድራትን ልምምዳትን ብኣካል ተረከብ- ንውላድካ፡ ነቶም ካልኦት ስፖርተኛታትን ንሃዋሁውን ተገድስ ኢኻ።

8. ጽቡቕ ይኺድ ሕማቕ ይኺድ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኩነታት ንኩሎም ኣተባብዓዮም። ኩላትና ኣብቲ ንሳተፎ ጽቡቕ ሃዋሁው ክንፈጥር ሓላፍነትና እዩ።

9. ኣሰልጣኒ ከኣ ኣሰልጣኒ ክኸውን ግደፉዎ - ምስ ኣሰልጣንን ክለብን ሃናጺ ክልተኣዊ ዝርርብ ይሃልውኩም።

10. Fair Play ክበሃል ከሎ ዝተፈላለዩ ተራታት ኣብ ንሕዘሉ እዋናት ኣብ ነንሕድሕድና ነርእዮ ጠባይ ከመይ ከምዝኾነ ክንነቕሓሉ ከለና እዩ፡ እዚ ከኣ ኣብ ሜዳ ስፖርት ኣብ ትህልወሉን ዘይትህልወሉን እዋናት እዩ ዝምልከት።

11. ኣብ መዳያት ስፖርት ከም ዓቢ ሰብ ብጠባይካን ስነ-ስርዓትካን ኣወንታዊ ኣርኣያ ኩነሎም።

12. ውላድካ ኣብ ነፍሱን ደቅ ጋንትኡን ኣወንታዊ ጠባይ ክህልዎ ሓግዞ።

13. ምልከትን ምምሃርን ተገደሰሉ፡ ኣብ ውጽኢት ጥራሕ ኣይትገደስ።

14. ብመገዲ እታ ክለብ ትምህርትን ኮርስን ብምስታፍ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ስፖርት ክትመሃሮም ስለትኽእል ነታ ክለብ ተወከሳ።

15. ኩሎም ነታ ክለብ ዝሰርሑ ሰባት ስርሖም ክምችኣሎምን ክቀለሎምን እጃምኩም ኣበርክቱ።

16. ንመጓዓዝያ፡መሳርሒታት ወዘተ ሓገዝ ዘድልዮም ቆልዑ ወይ ስድራቤታት ኣስተብህለሎም።

17. ስፖርታዊ መሳርሒታት ክትጥቀመሎም ከለኻ ዳግመ ግልገላን ኣከባብን ኣብ ግምት ኣእቱ።

18. ዋጋ መሳርሒታትን ንጥፈታትን ምስ ዕድመ ናይቲ ቆልዓን ዘድልዮን ተዛማዲ ክኸውን እጃምካ ኣበርክት።

19.ኣብ መዳያት ስፖርት ንውላድካ ተርእዮ ተሳትፎን ተገዳስነትን ንዓኻ ከም ወላዲ ውን ዓቢ ለውጢ ከምጽኣልካ ይኽእል እዩ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo