እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ሸቶታት ስፖርትን መሰረት ክብርታቱን

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ስፖርት ኩሎም ሰባት ጾትኦም፡ዕድሚኦም፡ስንክልንኦም፡ ማሕበራዊ ወይ ብሄራዊ ድሕረ-ባይታኦም ብዘየገድስ ብድሌታቶምን ብዘድልዮምን ክሳተፉዎ ዕድል ከምዝረኽቡ ምግባር እዩ ዕላምኡ። እዚ ማለት ኩሎም ኣብ ስፖርት ክነጥፉ ዝደልዩ ሰባት ጋንታታት ስፖርት እንዳተሓጎሳ ይቕበሎኦም ማለት እዩ። ስፖርታዊ ባህታ ክስመዖም ውን ልዑል ኣተኩሮ እዩ ዝወሃቦ መታን ቆልዑ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ውሑስን ኣወንታዊ ሕብረትን ኣብ ስፖርት ክነጥፉ። ክብርታት ስፖርት ጻወታ፡ ጥምሖ፡ ቅንዕናን ሓቛፊ ምዃንን እዮም።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ሸቶታት ስፖርትን መሰረት ክብርታቱን

ስፖርት ኩሎም ሰባት ጾትኦም፡ዕድሚኦም፡ስንክልንኦም፡ ማሕበራዊ ወይ ብሄራዊ ድሕረ-ባይታኦም ብዘየገድስ ብድሌታቶምን ብዘድልዮምን ክሳተፉዎ ዕድል ከምዝረኽቡ ምግባር እዩ ዕላምኡ። እዚ ማለት ኣብቲ ትቕመጠሉ ቦታ ንስኻ ወይ ደቅኻ ክትነጥፉሉ ትደልዩሉ ንጥፈት እንተደኣ ረኺብኩም እታ ጋንታ ስፖርት ወይ ማሕበር ሓንጎፋይ እንዳበለት ትቕበለኩም ማለት እዩ። ከምኡ ውን ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስፖርት ክነጥፉ ዝኽእሉ ሰባት ክዛይዱልና ኢና ንደሊ። ስለዚ እዩ ድማ ደረጃኻ ብዘየገድስ ኩሎም ተሳተፍቲ ብሓባር ክዘናግዑ ልዑል ሚዛን ክወሃቦ ዘለዎ። ኮሚሽን ስፖርት ኖርወይ ‘’ስፖርታዊ ባህታ ንኩሉ’’ ዝብል ራእይ እዩ ዘለዎ፡ ካብዚ ዝምንጩ ሓሳብ ድማ ኩሉ ሰብ ኣብ ውሑስን ኣወንታውን ሕብረት ተሓቚፉ ስፖርት፡ምልከትን ምዕባለን ክሙኮር ክኽእል ኣሎዎ ዝብል እዩ።

ኩሉ ሰብ ድሕረ-ባይትኡን ቅድመ-ኩነቱን ብዘየገድስ ናተይ ዝብሎ ቦታ ረኺቡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብምስታፍ ክዘናጋዕ ክኽእል ኣሎዎ። ኣብቶም ንጥፈታት ዝሳተፉ ተሳተፍትን ወለድን እቲ ንጥፈት ኣብ fair play ዝተሞርኮሰ ከምዝኾነ ክስመዖም ኣሎዎ፡ እዚ ማለት ፍትሓዊ፡ብዙሓውነት ሕብረተሰብና ዘጠቓለለን ማዕረ ዕድላት ከም ቅድመ-ኩነት ዝሰርዐን ክኸውን ኣሎዎ። ኣብ ንጡፍ ስፖርት ኣብ ጋንታ ስፖርት ምስታፍ ኩሉ ሰብ ምሉእ ሂወቱ ክንፈጎ ዘይግባእ ዕድል ክኸውን ይግባእ። ንሂወት ምሉእ ዝጸንሕ ስፖርታዊ ባህታ ክበሃል ከሎ ዝኾነ ሰብ ንዘይፍትሓውን ዘይሚዛናውን ኣድልዎ ክቃላዕ የብሉን ማለት እዩ። እቲ ስፖርታዊ ዕድል ሓቛፊ፡ ንኩሉ ዝተዋደደን ኣብ ክብርታት ስፖርት ብምሙኳስ ልዑል ብቕዓት ዘለዎን ክኸውን ኣሎዎ።

ስፖርት ኣብ ብዝሕ ዝበሉ መሰረታዊ ክብርታት ዝተሞርኮሰ እዩ። ኣብ 2019 ኣብ ስፖርታዊ ባይቶ ሓደስቲ ክብርታት ክተኣታተዉ ውሳኔ ሓሊፉ። እዞም ሓደስቲ ክብርታት ጻወታ፡ ጥምሖ፡ ቅንዕናን ሓቛፊ ምዃንን እዮም፡ ግን እዞም ክብርታት እንታይ እዮም ዘጠቓልሉ፧

ጻወታ ክበሃል ከሎ ኣብ ኩሉ ስፖርታዊ መቓናት ባህታ፡ጻወታን ናይ ምፍላጥ ህርፋንን ክንዕቅቦ ኣለና ማለት እዩ። ከምዚ ዓይነት ጻወታ ካብ ውዱብ ልምምዳት ወጻኢ በይንኻ ወይ ምስ ኣዕሩኽትኻ ብምዃን ውን ክግበር ይከኣል እዩ። ስፖርት ከኣ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝሓዘለ ክኸውን ኣሎዎ፡ ኣብ ሓደ ዓይነት ስፖርት ጥራሕ ንበይኑ ንፉዕ ክትከውን ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ስፖርትታት ኩዕሶ ኣዘናጋዒ ኮይኑ ስለዝስመዓኻ በይንኻ ኮይንካ ተክኒካዊ ክእለታትካ ከተማዕብሎ ትኽእል ኢኻ።

ብዙሕ ግዜ ቆልዑ ብጻወታ እዮም ሓደስቲ ክእለታት ዝመሃሩ። ስፖርት ንባዕሉ ጻወታ እዩ፡ ምኽንያቱ ስፖርት ደረጃ ብቕዓትካ ብዘየገድስ ኣንቀሳቒሱ ባህታ ክፈጥረልካ እዩ ዝደሊ። ንጥፈታትን ስፖርትን ፍሽኽ እንዳበልካ እዩ ክግበር ዘለዎ። ሽሕ ኳ ክትመሓየሽ ትጽዕር እንተኾንካ ወይ ምስ ደቅ ጋንታኻ ሓባራዊ ሸቶ ንኽትወቕዑ ትሰርሕ እንተሃለኻ እቲ ንጥፈት ጽቡቕ ስምዒታት ከሕድረልካ ኣገዳሲ እዩ።

ጥምዖ ክበሃል ከሎ ዕላማኻ ንምውቃዕ ኣቶኲርካ ምስራሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕላማኻ ንምውቃዕ ኣቶኲርካ ምስራሕ ማለት ብመደብ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ስፖርት ንምምዕባል ትገብሮ ኮይኑ ጎኒ ጎኑ ከኣ ክትምዕብል ድሌት ክህልወካ ከሎ ማለት እዩ። ኩሎም ኣብ ስፖርት ዝነጥፉ ክመልኩዎን ክመሓየሹን ይደልዩ እዮም። ጽላት ስፖርት ንባዕሉ ዝሓሸ ስፖርታዊ ማሕበር ክኸውን ይደሊ፡ ጥምዖ ከኣ ነዚ ድሌት የንጸባርቖ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምዕባለ ውን ጥምሖ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ንኣሰልጣኒኻ ወይ ካልኦት ንኸተመሓይሽ  እንታይ ክትገብር ከምዘለካን እንታይ ክትለማመድ ከምዘለካን ሕተቶም። ምኽርታት ክልግሱልካ ይኽእሉ እዮም፡ሽዑ ኣብ ገዛ ከይድካ ካብቲ ውዱብ ልምምድ ወጻኢ ክትለማመደሉ ትኽእል ኢኻ። ሓደስቲ ክእለታት ምምሃር ወይ ክእለታት ካብ ቅድም ዝያዳ ክትመልኮም ከለኻ ባህታን ርእሰ-ምትእምማን እዩ ዝፈጥረልካ፡ ከምኡውን ፍናንካ ንኸሐይለልካ ውን እጃሙ የበርክት እዩ። ሓደስቲ ሸቶታት ንምሕንጻጽ ውን ተምሳጥ ወይ ድርኺት ክፈጥረልካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ስፖርት fair playን ቅንዕናን ብጣዕሚ ኣገደስቲ እዮም። እዞም ሕግታት ምኽታል ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ልምምድ ኮነ ስፖርታዊ እንግዶታት። ነፍስ ወከፍ ስፖርት ናቱ ሕግታት ኣሎዎ፡ ነፍስ ወከፍ ጋንታ ስፖርት ውን ንንጥፈታታ ዝምልከት ናታ ሕግታት ኣሎዋ። ኣብ ስፖርት ንኩላቶም - ደቅ ጋንታኻ፡ኣሰልጠንቲ፡መራሕቲ፡ ዳኛታትን መጋጥምትን ዋላ ኩሉ ግዜ ምስኦም ኣይትሰማማዕ ኣኽብሮት ከነርእዮም ኣለና ዝብል ዕላማ እዩ ዘሎ። ስለዚ ኣምሲልካ ረብሓታት ምርካብ፡ ምቕሻሽን ሕግታት ክትብድሆም ምፍታንን ክውገድ ክኽእል ኣሎዎ። ኣብ ኩሎም መቓናት ቅንዕና ዝመልኦ ጠባይ ከተርኢ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። መራሕቲ፡ኣሰልጠንትን ወለድን ከም ኣወንቲ ኣርኣያታት ክመርሑ ይግብኦም።  

ሓቛፊ ክኸውን ኣሎዎ ክበሃል ከሎ ድማ እቲ ማሕበር ንኩሎም ቆላሕታ ዝህብ፡ውሕስነት ዝፈጥርን ንኩሎም ዝከናኸንን ክኸውን ኣሎዎ ማለት እዩ። ስፖርት ምቾት ከምዝህሉን ጽቡቕ ሕብረት ከምዝፍጠርን ክገብር ኣሎዎ፡ ከምኡ ውን ኩሎም ከከም ደረጅኦምን ድሌታቶምን ከምዝሳተፉ ክገብር ኣሎዎ። ሓቛፊ ክበሃል ከሎ ኣብ ኣባላትና ዝሙርኮስ ማሕበር ብምሉኦም ኣባላቱ ድምጾም ማዕረ ሚዛን ክህልዎ ከሎ እዩ። እዚ ማለት ኮሚሽን ስፖርት ኖርወይ ብዙሓውነት ሕብረተሰብና ኣብ ጽላት ስፖርት ከምዝንጸባረቕ ክገብር ከም ዕላማ ሒዙ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዩ መታን ስፖርት ኖርወይ እቲ ንነብረሉ ዘለና ሕብረተሰብ ኣንጸባሪቑ ዝኾነ ሰብ ከምዘይንጸል ክገብር። ስፖርት ሓቛፊ ክኸውን ከሎ ንሕብረተሰብና ብዓቢኡን ከባብያዊ ሕብረተሰብና የተኣኻኽብ እዩ። ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበሉኻ እዮም፡ ኣብታ ጋንታ ስፖርት ድማ ሓድሽ ምሕዝነት ዝፍጠረሉ ሓድሽ ሃዋሁው ክትረክብ ኢኻ። እዚ ከኣ ንቆልዑን ወለድን ይምልከቶም።

ወለንታውነትን ወፈራን መሰረት ስፖርትን ክለባትን ስለዝኾነ ንኩሎም ብተገዳስነት ዝሳተፉ ሰባት ጽቡቕ ጌርና ክንከናኸኖምን ምስ ካልኦት ብወለንትኦም ዝሳተፉ ከምዝሳነዩን ንጥፈታቶም ከምዝቕጽሉዎ ንምግባርን እጃምና ከነበርክት ኣገዳሲ እዩ። ደሞክራሲ ውን ሓደ መፍትሕ እዩ። ዝበዝሑ ዝወሰኑዎ ውሳኔ ክንድግፎን ከነኽብሮን ኣገዳሲ እዩ። ኣባላት ርእይቶኦም ከቕርቡ ዕድል ክወሃቦም ኣሎዎ። ስለዚ እቶም ተወሳኺ እጃም ከበርክቱ ዝደልዩ መራሕትን ኣሰልጠንትን ክኾኑ ንምሕጸኖም። ከምዚ ብምግባር ክለብካ ዝያዳ ኣወንታዊ ዝኾነ ንስኻ ትደልዮ ኣንፈት ክትሕዝ እጃምካ ከተበርክት ትኽእል። ከምኡውን ክለብካን ካልኦት ኣባላትን ኣሕሊፍካ ከይሃብካ ክትክተሎም ውን ኣገዳሲ እዩ፡ መታን ክብርታት፡ሸቶታትን ሕግታትን ኩላቶም ክኽተሉዎ። ማዕረ እዚ ኣገዳስነት ዘለዎ ድማ ንኩሎም ሰባት ብኣኽብሮት ምሓዝ እዩ። ኣብ ስፖርት ዝተፈለኻ ክትከውን ቅቡል እዩ፡ ኩላትና ከኣ ማዕረ ክብሪ እዩ ዘለና።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo