እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ኣህጉራዊ ውዕል ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መሰል ትርፊ ግዜን

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ኣህጉራዊ ውዕል ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓደ ክፋል ሕጊ ኖርወይ ኮይኑ ቆልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ከምዘለዎ ኣነጺሩ ይገልጽ፡ እዚ ከኣ ቆልዑ ናቶም ትርፊ ግዜ ክህልዎም መሰል ኣለዎም ዝብል ዘጠቓለለ እዩ። ቆልዑ ኣብ ዝደለዩዎን ዘድልዮምን ብምሙርኳስ ንጥፈታትን ስፖርትን ከካይዱ ዕድል ክህልዎም ኣሎዎ። ከም ተወሳኺ ብተሳትፍኦም ኣብ ሓደ ሕብረት ሕቑፋት ኢና ዝብል ስምዒት ከሕድሩ ይኽእሉ፡ ኣብኡ ድማ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ይረኽቡ፡ባህላዊ ምትእስሳርን ናይ ገዛእ ርእሶም መንነትን የማዕብሉ።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ሓደ ዕላማ ንኩሎም ኣብ ኖርወይ ዘለዉ ቆልዑ

ኣህጉራዊ ውዕል ቆልዑ ውዱብ ሕቡራት ኣብ 2003 እዩ ሓደ ክፋል ሕጊ ኖርወይ ኮይኑ፡ እዚ ውዕል ቅዋም ቆልዑ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። እዚ ውዕል ቆልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ከምዘለዎም ኣነጺሩ እዩ ዝገልጽ። ትርፊ ግዜ ክህልዎም ዘለዎም መሰል ከኣ ኣብዚ ክጥቀስ ባህርያዊ ስለዝኾነ ኣብቲ ሕጊ ኣብ ሕጡበ-ጽሑፍ 31 ተጠቒሱ ኣሎ። ሞዴል ስፖርት ቆልዑ ኖርወይ ሓደ ቆልዓ ርእሱ ዝኸኣለ ውልቀ-ሰብ ከምዝኾነ ስለዝፈልጠሉ እዮም ቆልዑ ብድሌታቶምን ዘድልዮምን ስፖርት ከካይዱ ዕድል ዝወሃቦም።

ትርፊ ግዜ ንደቅ ሰባት ንጡፍን ትርጉም ሓዘልን ክኸውን ከሎ የማዕብሎም እዩ። ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ትርፊ ግዜኦም ዝነጥፉሉ ባይታ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዕሩኽ ዝረኽቡሉ፡ ኣብ ሓብረት ዝሕቆፉሉን ብተሳትፎ ባህላዊ ምትእስሳርን ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ዘማዕብሉሉን ቦታ እዩ። ኩሎም ቆልዑ ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ባይታታት ክሳተፉ ዕድል ክወሃቦም ይግብኦ።

ኣህጉራዊ ውዕል ቆልዑ ንቆልዑ ምሕላው እዩ ዕላምኡ፡ መን ምዃኖም ወይ ካበይ መጺኦም ብዘይገድስ ቆልዑ ጽቡቕ ንኽህልዉ ዘድልዮም ዘበለ ይረኽቡ ከምዘለዉ ምግባር እዩ ዕላምኡ። ኩሎም ክጻወቱ፡ከዕርፉን ትርፊ ግዜ ክህልዎምን መሰሎም እዩ። ድሕረ-ባይታ፡ ኩነታት ሓዳር ወይ ሞያ ወለዶም ወይ ወኪሎም ብዘየገድስ እዚ መሰል እዚ ክህልዎም ኣሎዎ። ብምሉኦም ቆልዑ ኣብ ንጥፈታት ስፖርት፡ሙዚቃ፡ሳዕስዒት፡ትያትር ወይ ካልእ ዝደለዩዎ ናይ ትርፊ ግዜኦም ንጥፈታት ክሳተፉ ዕድል ከምዝረኽቡ ምግባር ከም ሕብረተሰብ ንስከሞ ሓባራዊ ሓላፍነት እዩ።

ክሳብ ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ከምኡውን ቆልዑ ጽቡቕ ኩነታት ኣተዓባብያ ክህልዎም ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብቃላት ኮነ ቁጽሪ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ስለዚ ኣብ ትርፊ ግዜና ነካይዶም ንጥፈታት ብጣዕሚ ኣገዳሲ ተራ እዮም ዝጻወቱ። ስለዚ ኩሎም ቆልዑ ማዕረ ዕድላት ንኽህልዎም ባይታ ከነጣጥሓሎም ኣለና።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo