እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ወፈራ(Dugnad) – ልቢ ስፖርት ኖርወይ

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ወፈራ ኣብ ስፖርት ኖርወይ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ባእታ እዩ፡ ብዘይ ወፈራን ወለንታዊ ስራሕን ጋንታታት ስፖርት ክነካይደን ኣጸጋሚ ምኾነ ኔሩ። ወለድን ካልኦት ብወለንትኦም ዝነጥፉ ሰባትን ኣብ ናይ ከባቢኦም ክለባት ክሳተፉ ልሙድ ተርእዮ እዩ፡ እዚ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ዝፈትዉዎ ንጥፈታት ክሳተፉ እጃሙ የበርክት እዩ። ከም ወለንታዊ ተሳታፋይ ምምዝጋብ ብዙሕ ኣወንታዊ ሸነኻት እዩ ዘለዎ፡ ሰለዚ ክትሓስበሉ ይግበኣካ።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ወፈራ ኩሉ ሰብ ንሕብረቱ እጃሙ ከበርክት ጽቡቕ ዕድል እዩ ዝኸፍተሉ

ሰውነት ስፖርት ኖርወይ ብዙሕ ኣካላት ዘጠቓላለ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ወፈራ ልቢ ናይዚ ሰውነት ከምዝኾነ ዘማትእ ኣይኮነን። ጋንታታት ስፖርት ብወለድን ካልኦት ብወለንትኦም ዝሳተፉ ግዱሳትን እየን ዝካየዳ። ገሊኦም ኣሰልጠንቲ ክኾኑ ይደልዩ፡ገሊኦም ከኣ መራሕቲ ጋንታ ወይ ተወካሲ ኣካል ወለዲ ክኾኑ ይደልዩ። ወለዲ ኣብ ኖርወይ ከም ወለንታዊ ተሳተፍቲ ክነጥፉ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣብ ክለብ ደቆም እጃሞም ከበርክቱሉ ዘኽእሎም ጽቡቕ ዕድል እዩ ድማ። ዝበለጸ ሸነኽ ወፈራ ዝበዝሑ ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ውዱብ ስፖርት ክሳተፉ ዘኽእሎም ምዃኑ እዩ።

ማዕረ እዚ ኣገዳስነት ዘለዎ ድማ እዚ ወፈራ ንቆልዑ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጠቕሞም። ካልእ ኣወንታዊ ሸነኹ ምስ ካልኦት ክትላለ ዘኽእለካ ምዃኑ እዩ፡ ከምኡውን ሓባራዊ ዕላማ ንምውቃዕ ብሓባር ምስራሕ ትርጉም ሓዘል ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ብምዃኑ። ገሊኦም ሓደስቲ ሰባት ብምልላዮም ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍተሎም ይኽእል እዩ።  ኣብዚ ሃገር ሓደስቲ ንዝኾኑ ሰባት ማሕበራዊ መርበቦም ከስፍሑ ከለዉ ቋንቋ ክለማመዱን ምስ ባህልን ልምድትታትን ኖርወይ ክላለዩን ዕድል ይረኽቡ። ወፈራ ምስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካልኦት ሰባት ከምትሕወስ ስለዝገብር ኣብቲ ክለብ ዘለካ ስምዒታትን ናተይ ትብሎ ቦታ ክኾነልካን ኣብ ምብርታዕ እጃሙ የበርክት እዩ። ክሳብ ክንደይ እጃምካ ከተበርክት ትኽእል፡ እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል ካብ ስፖርት ናብ ስፖርት ከምኡውን ካብ ክለብ ናብ ክለብ ይፈላለ እዩ።

ወፈራ ወለንታዊ ስራሕ ኮይኑ ወለዲ ነታ ጋንታን ክለብን ንምሕጋዝ ክሳተፉዎ ኣሎዎም። ብዙሓት ክለባት ናይ ገዛእ ርእሰን መለማመዲ ሜዳን ኣዳራሻት ክለብን ኣለወን፡ እዚ ድማ ክጽገንን ክካየድን ገንዘብ ይሓትት እዩ። ኣበርክቶ ወፈራ ወለዲ ንደቆም ክኸፍሉዎ ዘለዎም ርእሰ-ብጽሒት ኣብ ምቕናስ ውን ተራ ይጻወት እዩ። ንኣብነት ሓንቲ ጋንታ ኣብ ካልእ ክፋል ናይዚ ሃገር ኣብ ውድድር ወይ እንግዶት ክትሳተፍ ኣጸቢቑ ዝሓሰረ ንክኸውን እጃሙ የበርክት እዩ።

መገሻ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝሓትት፡ ንሕና ድማ ኩሉ ሰብ ገንዘቡ ይብዛሕ ይውሓድ ብዘየገድስ ክሳተፍ ኢና ንደሊ። ገንዘብ ትእክበሉ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ዝልወጥ ጠራሙዝ ምእካብ እዩ። እዚ ክግበር እንተደኣ ኮይኑ ጠራሙዝ ክእከብ ከምዝኾነ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ዝጽሕፍ የድልየና፡ ከምኡውን እዚ ሓበሬታ ኣብቲ ጠራሙዝ ዝእከበሉ ቦታ ኣብ ሳጹናት ፖስጣ ክኣቱ ኣሎዎ። ድሕሪኡ ድማ ገሊኦም ምስቶም ቆልዑ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እንዳኸዱ ኣብ መዓጹ ጭር ከብሉ ኣሎዎም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ጠራሙዝ ናብ ድኳናት ብመኪና ኣብጺሑ ዝልውጦምን ገንዘብ ዘውጽእን ሰብ የድሊ።

ምቑጻር ኣቕሓን ንብረትን ንባዕሉ ሓደ ካልእ ኣብነት እዩ። ድኳናት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣቕሑተን ብዙሕ ግዜ ክቖጽሮኦ ኣለወን። ወለድን ዕድሚኦም ዝኣኸለ ቆልዑን ኣብ ድኳን ንገለ ሰዓታት ይሰርሑ፡ሽዑ እቲ ዝኽፈሎም ደሞዝ ናብታ ዝምልከታ ጋንታ ይኸይድ። ወፈራታት ኣብ ውሽጢ ክለባት እዩ ዝካየድ። ኣብ እንግዶታት ክሰርሑ፡ ቫፍለር፡ለስላሳ፡ቡን ዝሸጡ፡ ዝሽየጥ ምቁር ሕብስቲ ዝሰርሑ፡ ከም ጸሓፍቲ ዘገልግሉ፡ ዲፕሎማን መዳልያታትን ዝዕድሉን ካልእ ዕማማት ዝገብሩን የድልዩ እዮም። ብዙሕ ግዜ እቲ እንግዶት ቅድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውድኡን ብዙሓት ክሳለጡ ዘለዎም ነገራት ውን ኣሎዉ።

ንጥፈታት ስፖርት ከም ወለንታዊ ማሕበር ኮይኑ ክቕጽል እንተኾይኑ ኩሉ ሰብ ብዝተፈላለዩ መገድታት ነታ ጋንታ ስፖርት ወለንታዊ እጃሙ ግድን እዩ ከበርክት ዘለዎ። ኣብ ልሙዳት ወፈራታት ምስታፍ ዘይጥዕመካ እንተኾይኑ ምስታ ጋንታ ስፖርት ብምዝርራብ ካልእ ክትገብሮ ትኽእል ነገራት እንተደኣ ሃልዩ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። መግቢ ብምስራሕ፡መኪና ብምዝዋር፡ጉልበታዊ ስራሕ ብምስራሕ፡ ሕሳብ ብምግባር፡ ዕማማት ኣሰልጣኒ ብምዕማም ወዘተ ከ እጃምካ ከተበርክት ትኽእል ዶ፧ ክትሳተፍ ዘይትኽእል እንተኾይንካ ክትሳተፍ ከምዘይትኽእል ምሕባርን ካልእ ክትሕግዘሉ ትኽእል ግዜ መዓስ ከምዝኾነ ምሕባርን ኣገዳሲ እዩ። ምናልባሽ ገለ ጽቡቕ ሓሳባት ይህልወካ ይኸውን፡ ከምኡ እንተዳ ኮይኑ ምስ ኣሰልጣኒ ወይ ተወካሲ ኣካል ወለዲ ክትዘራረበሉ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ወፈራ እጃምካ ኣበርኪትካ ምስ ወዳእካ ክትገልጾ ዘይትኽእል ጽቡቕ ስምዒት ከሕድረልካ እዩ። ንውላድካ ወይ ደቅኻ ጽዒርካሎም ጥራሕ ከይኣክል ነቲ ሕብረት ውን እጃምካ ኣበርኪትካ ኣለኻ ማለት እዩ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo