እዚ ዝስዕብ ክፋል ስምዓዮ:

ስፖርት ቆልዑን፡ ስፖርታዊ መሰላት ቆልዑን እንታይ ማለት እዩ

Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport
Mennesker som elsker å utøve sin sport

ስፖርት ቆልዑ ክበሃል ከሎ ቆልዓ ክሳብ 12 ዓመት ዝመልእ ዝሳተፈሉ ስፖርታዊ ንጥፈታት እዩ፡ ከምኡውን እዞም ስፖርታዊ ንጥፈታት በቲ እቲ ቆልዓ ዝደልዮም ቅድመ-ኩነት ክፍጸሙ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ቆልዓ ክመሃር፡ክቕስቀስን ሓደስቲ ክእለታት ክመልኽን እዩ ዕላምኡ። ክጅምሩ ከለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ቅልል ዝበሉ ልምምዳት እዮም ዝገብሩ፡ እንዳዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ግን እቶም ልምምዳት ጭቡጥ መልክዕ እንዳሓዙ እዮም ዝኸዱ። ስፖርታዊ መሰላት ቆልዑ ንቆልዑ ይከላኸለሎም እዩ፡ እዞም መሰላት እቲ ቆልዓ ዘድልዮ ዘበለ ዘማእከሉ እዮም። እዞም መሰላት እዚኦም ኣብ ኣህጉራዊ ውዕል ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሞርኮሱ እዮም።

ንክትሰምዕ ጠውቅ:

ስፖርት ቆልዑ እንታይ እዩ፡ ዘለዎም መሰላት ከ ኣየኖት እዮም፧

ኣብ ኖርወይ ስፖርት ቆልዑ እቲ ቆልዓ ክሳብ 12 ዓመት ዝመልእ ዝካየድ እዩ። እዞም ንጥፈታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጋንታታት ስፖርት ዝካየዱ ክኾኑ ይኽእሉ፡ ከምኡውን ውዱባትን ዘይውዱባትን ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ስፖርት ዝተወደበ ባዕልኻ ተካይዶም ንጥፈታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡እዚ ማለት ነቲ ንጥፈት ብዘይ ዝኾነ ዝመርሖ ኣካል እቶም ቆልዑ ባዕሎም ከምዝነጥፉ ይገብሩ ማለት እዩ። እዚ ኣብ መንሻተቲ ሆላት ልሙድ ተርእዮ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ክፉታት ሆላት ኩዕሶ፡ መሕኾሪ ሆላት ወዘተ ውን ኣሎዉ። ገሊኦም ጋንታታት ከኣ ሓፈሻዊ ስፖርት ዘካይዱ ኣሎዉ፡እዚ ማለት ቆልዑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፖርት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣከባቢታት ይመሃሩ፡ ንኣብነት ከም ምሕንባስ፡ ስኪን ኩዕሶ ኢድን።

ስፖርት ቆልዑ በቶም ቆልዑ ዝደልዩዎ ቅድመ-ኩነት እዩ ክካየድ ዘለዎ። ንኩሉ ሸነኻቱ ኣብ ግምት ብምእታውን ብምጽዋትን ቆልዑ ክመሃሩ፡ክቕስቀሱን ሓደስቲ ክእለታት ክመሃሩን ይኽእሉ። ነቶም ዝነኣሱ ቆልዑ መሰረታዊ ምንቅስቓሳት ከም ምንጣር፡ምስንዳው፡ ጠለይ ምባል ወዘተ ዝኣመሰሉ ማለት እዩ። ጸኒሖም ድማ ምስቲ ዝምልከቶ ዓይነት ስፖርት ዝተተሓሓዙ ዝያዳ ጭቡጥ መልክዕ ዘለዎም ልምምዳት ከካይዱ ይጅምሩ። ቆልዑ ኣብ ስፖርታዊ ልምምድ ክሳተፉ ከለዉ ዓበይቲ መራሕቲ ከምዝህልዉ ብምግባርን ምስ ዕድመ ናይቶም ቆልዑ ዝኸይድ ሕግታት ብምድላውን ውሕስነትን ምቾትን ክስመዖም ኣሎዎ። ንቆልዑ ኣሰልጣኒ ምዃን ከቢድ ክኸውን ስለዝኽእል ወለዲ ንኣሰልጣኒ ክድግፉዎ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ልምምዳት እቶም ቆልዑ ነቲ ንጥፈት ንኽቕጽሉዎ ክቕስቀሱ እዩ ዕላምኡ፡ ኣብ ህሉው ግዜን ኣብ መጻኢን።

ቆልዑ እንታይ ክገብሩ ይደልዩ ብዘየገድስ ንጥፈታት ብምግባር  ምስ ሰውነቶም ክላለዩን ንዝቕጽሉ ንጥፈታት ናይ ምንቅስቓስ መሰረት ክንጽፉን የኽእሎም። ቆልዑ ነንበይኖም ስለዝኾኑ ንጥፈታት ከካይዱ ዘለዎም ምትብባዕን ቅድመ-ኩነትን ይፈላለ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣገዳሲ እዩ። ኩሎም ቆልዑ ነገራት ክመልኩዎም ክኽእሉ ሓባራዊ ድሌቶም እዩ። ቆልዑ ኩሉ ግዜ ሓደስቲ ክእለታት ክመሃሩን ክመልኩን ይደልዩ እዮም፡ እዚ ዘለዎም ናይ ምምሃር ኣተኩሮ ከኣ ኢና ክንዕቅቦ ዘለና፡ ምኽንያቱ ስፖርት ከም መምሃሪ ባይታ እዩ ዘገልግል። ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ስፖርት ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ንነዊሕ ግዜ እዮም ዝነጥፉ። ገሊኦም እንዳዓበዩ ምስ መጹ ስፖርታዊ ሸቶታት ንኽወቕዑ ኣብ ስፖርት ብዙሕ ግዜ ክጥቀሙ ይመርጹ፡ ካልኦት ድማ ምስ ኣዕሩኽቶም ብሓባር ኮይኖም ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ስፖርት ምንጣፍ ባህታ ይፈጥረሎም። እቲ ኮይኑ እቲ ብዘየገድስ ኩሉ ሰብ ኣብ ስፖርት ዘሕልፎ ግዜ ጽቡቕ ተመኩሮ ክድልብ እዩ እቲ ዕላማ። ሰውነትካ ክትጥቀመሉን ኣብ ንጥፈታት ክትሳተፍን ንምቾት፡ ርእሰ-ክንክንን ጥዕናን ዝበለጸን ዝለዓለ ኣገዳስነትን ዘለዎ እዩ። ኣብዚ መስርሕ እዚ ከም ወላዲ ንውላድካ ክትድግፎ ኣገዳሲ እዩ።

ቆልዑ ዘለወን ስድራቤታት ባህርያዊ ኣከባቢና ብንጥፈት ክጥቀማሉ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ፡ ኣብኡ ቆልዑ ነጻ ኮይኖም ብባህርያዊ ጻወታ ክመራመሩ ይኽእሉ። ብዙሕ ዕድላት እዩ ዘሎ ከም ኣብ ገምጋም ባሕርን ጫካን ምኻድ፡ ወይ ብመንሻተቲ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ምንሽታት። ንጥፈት ምክያድ ርእሱ ዝኸኣለ ሚዛን ዘለዎ ኮይኑ ስነ-ልቦናውን ኣካላውን ሕማማት ንምግታእ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ስፖርት ቆልዑ ዘድልዮም ከምዝማላኣሎም ንምግባር ርእሱ ዝኸኣለ ዓንቀጻትን መሰላትን ኣሎዉ።

ስፖርታዊ መሰላት ቆልዑ ቆልዑ ዘድልዮም ዘበለ ዘማእከለ ኮይኑ ኣብ ኖርወይ ኣብ ስፖርት ቆልዑ መሰረት ዘንጽፉ ክብርታት ይገልጸልና። እዞም መሰላት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕል ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሞርኮሱ እዮም።

እዞም መሰላት ንኩሎም ቆልዑ እዮም ዝምልከቱ፡ እዚ ማለት ጾታ ናይቲ ቆልዓን ናይ ወለዱን፡ብሄራዊ ድሕረ-ባይታኡ፡ እምነቱ፡ጾታዊ ዝንባለኡ፡ ሚዛኑ/ኣካላዊ ብቕዓቱን ስንክልናን ብዘየገድስ።

ስፖርታዊ መሰላት ቆልዑ

1. ውሕስነት

ቆልዑ ኣብ ውሑስ ሃዋሁው ስፖርት ጸቕጥን ምዝመዛን ከይተሰመዖም ክሳተፉ መሰሎም እዩ። ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ኣብቶም ንጥፈታት ሓደ ዓቢ ሰብ ክማልኡ መሰሎም እዩ። ካብ ማህሰይትታት ክንከላኸለሎም ኣለና።

2. ምሕዝነትን ምቾትን

ቆልዑ ኣብ ዝለማመዱሉን ዝወዳደሩሉን ንጥፈታት ክሳተፉ መሰሎም እዩ፡ ምሕዝነት ክፈጥሩን ስምረት ንኽህልዎምን ከኣ ባይታ ክጣጣሓሎም ኣሎዎ።

3. ምልከት

ቆልዑ ምልከት ክስመዖምን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ክእለታት ክመሃሩን መሰሎም እዩ። ክቀያየረሎም፡ ክለማመዱን ምስ ካልኦት ክወሃሃዱን ዕድላት ክወሃቦም ውን ዕድላት ክህልዎም ኣሎዎ።

4. ጽልዋ

ቆልዑ ርእይቶኦም ከስምዑን ክስምዑን መሰሎም እዩ። ኣብ ምምዳብን ኣብቲ ዝፍጽሙዎ ስፖርታዊ ንጥፈት ምስ ኣሰልጠንትን ወለድን ክሳተፉ ዕድል ክህልዎም ኣሎዎ።

5. ናይ ምምራጽ ናጽነት

ቆልዑ እንታይ ዓይነት ስፖርት ይደልዩ፡ ኣብ ክንደይ ዓይነታት ስፖርት ክሳተፉን ክሳብ ክንደይ ክለማመዱን ይደልዩ ባዕሎም ክመርጹ መሰሎም እዩ።

6. ውድድር ንኩሉ

ቆልዑ ኣብ ውድድር ክሳተፉ ይደልዩ ድዮም ኣይደልዩን ክመርጹ መሰል ኣሎዎም። ኣብ ሓደ ዓይነት ስፖርት ዝነጥፋ ክለባት ክሳብ ዝኾና ሓደ ቆልዓ እንተደኣ ክለብ ቀይሩ ከምዝተሰጋገረ ምስ ተመዝገበ ብቐጥታ ነታ ሓዳስ ክለብ ወኪሉ ኣብ ውድድር ክሳተፍ መሰሉ እዩ።

7. ብቅድመ-ኩነት ናይቶም ቆልዑ

ቆልዑ ኣብ ምስ ዕድሚኦም፡ኣካላዊ ምዕባለኦምን ብስለቶምን ዝኸይድ ንጥፈታት ክለማመዱን ክወዳደሩን መሰሎም እዩ። ጋንታታት ስፖርትን ጉጅለታትን ንቆልዑ ኣብ ከባቢኦም ዝተወሃሃደ ምሉኣውነት ዘለዎ ዕድላት ስፖርት ንኽህባ ክተሓባበራ ኣለወን።

8. ኩሎም ክሳተፉ ኣሎዎም

ኩሎም ቆልዑ ቁጠባ ስድራቤቶም ወይ ተሳትፎ ስድራቤቶም ብዘየገድስ ክሳተፉ መሰል ኣሎዎም። ቆልዑ መሳርሒታትን ወጻኢታትን ጸቕጢ ከይፈጠረሎም ኣብ ዝሕቆፉሉ ሃዋሁው ስፖርት ክሳተፉ መሰሎም እዩ።

ኩሎም ኣብ ስፖርት ቆልዑ ዝነጥፉ ብዝተኻእለ መጠን ተቐያያሪ ንጥፈታት ከካይዱን ብዙሕ ምንቅስቓሳት ክሙኮሩን ከምዝኽእሉ ክግበር ኣሎዎ።

ካብ መንግስታዊ ሓገዝ ይውሃበና::

Logo
Logo

ብሶሻል ሜድያ ክትካታተለና ትኽእል

Facebook logo